ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሐሰን ሼክ መሐሙድ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሐሰን ሼክ መሐሙድ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሐሰን ሼክ መሐሙድ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ጎና ጎኒ ጉባኤ መራሕቲ COP31 ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሐሰን ሼክ መሐሙድ ተራኺብማ ኢሎም።
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ድሕንነት ሶማሊያን ስፍሕ ኣብ ዝበሉ ዞባዊ ጉዳያትን ሓሳብ ተለዋዊጥና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ንምርግጋፅ ቀፃልነት ዘለዎ ዘተን ምትሕብባርን ኣድላይ ከም ዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂብና ዘቲና ክብሉ ገሊፆም።