ኣብ ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ዝጠመተ ምስ ኣመራርሓ ክፍለ ከተማታት እታ ከተማ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ዝጠመተ ምስ ኣመራርሓ ክፍለ ከተማታት እታ ከተማ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 2/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ዝጠመተ ምስ ኣመራርሓ ክፍለ ከተማታት እታ ከተማ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።
እቲ መድረኽ ዘተ ብከንቲባ ከተማ መቐከለ ሺሻይ ኣማረ(ዶ/ር)ን መካየዲ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ከተማ መቐለ ፀጋዘኣብ ኪዳኑ(ኢ/ር)ን ዝተመርሐ እንትኸውን፤ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተረባሕነትን መናእሰይ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ትኹረት ዝገበረ መድረኽ እዩ።
እዚ ዘተ ምስ ዓበይቲ ዓድ፣መራሕቲ ሃይማኖት፣ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ሙሁራት፣ሰብ ሙያን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን እውን ከም ዝቅፅል ተገሊፁ።
ማሕበረሰብ ከተማ መቐለ ንልምዓት ኮሪደር እታ ከተማ ብሃነቀውታን ብልዑል ድሌትን ይፅበዮ ከም ዘሎ ኣብቲ መድረኽ ከም ዝተገለፀ ኤፍኤም መቐለ 104.4 ፀቢፂቡ።