ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ድሮ ጉባኤ መራሕቲ COP31 ኣብ ኣንታሊያ ቱርክ ተረኺበ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቱርክዬ ረጅብ ጣይብ ኤርዶጋን ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራ ምሕዝነት መሰረት ብምግባር ክልቲኣዊ ምትሕብባርና ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ዕድላት ዘቲና ክብሉ እውን ሓቢሮብም።
COP31 ንምትእንጋድ ንዝተገበረ ምድላውን እቲ ጉባኤ ብድሙቕን ብዓወትን ንክዛዘም ቱርክዬ ተርእዮ ንዘላ ፃዕሪ ዘለዎም ናእዳ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ፕሬዚዳንትነት COP32 ንምርካብ ኣብ ትገብሮ ምድላው ዝህሉ ምሕዝነት ከምኡ እውን ሓባራዊ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ንምትሕብባር ዘኽእሉ ዕድላት ዘቲና ኢሎም።