ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓለዋ ከባብን ሲግሩን ጄርሎው አስላንድ ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓለዋ ከባብን ሲግሩን ጄርሎው አስላንድ ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2019(ኢዜኣ) ሚኒስትር ገንዘብ ኢትዮጵያን ዋና ተደራዳሪት ኮፕ 32ን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ ትማሊ ምክያድ ዝጀመረ ኮፕ 31 ምስ ሚኒስትር ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሓለዋ ከባብን ሲግሩን ጄርሎው አስላንድ ዘትየን።
ክልቲአን ሚኒስትራት ብፍላይ ድማ ኣብ ምድላው ኮፕ 32 ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለወን ሓባራዊ ድሌት ዝገለፃ እንትኸውን፤ ብተወሳኺ እውን ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝሳለጡ ፃዕርታት ልምዓት ደኒ ምስፍሕፋሕን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ ዘለዎም ኣስተዋፅኦን ምጉላህ ዘለዎ ኣድላይነት ተዘራሪበን።
#COP31 #COP32 #COP32Ethiopia