ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፕሮፌሰር አንቶኒ ኦኮን ንዮንግን ነበር ከንቲባ ፓሪስ አን ሂዳልጎ ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፕሮፌሰር አንቶኒ ኦኮን ንዮንግን ነበር ከንቲባ ፓሪስ አን ሂዳልጎ ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 1/2019 (ኢዜኣ) ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፕሮፌሰር አንቶኒ ኦኮን ንዮንግን ነበር ከንቲባ ፓሪስን ኣምባሳደር Global Covenant of Mayorsን አን ሂዳልጎን ዘትየን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ኮፕ 31 ኣብ ከተማ ኣንታሊያ ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ፕሮፌሰር አንቶኒ ኦኮን ንዮንግን ነበር ከንቲባ ፓሪስን ኣምባሳደር Global Covenant of Mayorsን አን ሂዳልጎን ተራኺብና ኣብ ጉዳያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዘላቒ ልምዓት ከተማን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝምልከት ዘቲና ኢለን።
ብፍላይ ድማ ፋይናንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብቀጥታ ንከተማታት ምብፃሕ፣ዓቕሚ ምድላውን ኣፈፃፅማን ፕሮጀክት ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት፣ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ፣ዳግማይ ምልማዕን ግብርና ከተማን ከተማታት ዝተረኸቡ ልምድታት ንምምሃርን ንምልውዋጥን ዘኽእሉ ዓውድታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዕና ክብላ ገሊፀን።
ኣዲስ ኣበባ መተኣናገዲት ኮፕ 32 ስለ ዝኾነት ድምፂ ሓባራዊ ቀዳምነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ድሌታት ፋይናንስን ኣጀንዳ ልምዓትን ከተማታት ኣፍሪካ ብሓደ ድምፂ ንዓለም ንምቕራብ ዘኽእል መድረኽ ንምፍጣር ምትሕብባር ቴክኖሎጂ ክነዕቢ ኢና ኢለን።
ሓባራዊ ድምፅና ብምጥንኻር ድሌት ልምዓትን ተበፃሕነት ፋይናንስን ከተማታት ኣፍሪካ ክነዕቢ ኢና ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።