ፍልስፍና መደመር ፓርቲ ብልፅግና ንኣፍሪካውያን ኣርኣያ ዝኸውን ኣካታቲ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ውፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 1/2019 (ኢዜአ)፦ ፍልስፍና መደመር ፓርቲ ብልፅግና ንኣፍሪካውያን ኣርኣያ ዝኸውን ኣካታቲ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ውፅኢት ከምዘመዝገበ ተወከልቲ ፖለቲካ ፓርቲታት ሃገራትኣፍሪካ ገሊፆም።

ዓብዪ ሃገር፤ ዓብዪ ህዝቢ፤ ዓብዪ ራእይ

መበል 2ይ ጉባኤ ፖለቲካ ፓርቲታት ኣፍሪካ ካብ ጥቅምቲ 26/2019 ዓ.ም ክሳብ ጥቅምቲ 28/2019 ዓ.ም "ዕብየት ምምራሕ፤ ፖለቲካ ፓርቲታት ከም መሃንዲሳት መፃኢ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተካይዱ።

እቲ መኽፈቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፣ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ 1 ሺሕ መራሕቲ ፖለቲካ ፓርቲ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዘከርታ ዓወትን ዓድዋ ተካይዱ ብኣወት ተዛዚሙ እዩ።

ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ተወከልቲ ፖለቲካ ፓርቲታት ሃገራት ኣፍሪካ ንኢዜአ ከምዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ኣካታቲ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ምህዳር ብምፍጣር ዘድንቕ ተግባራዊ ስጉምቲ ወሲዳ እያ።

ፕሬዝዳንት ምንቅስቓስ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዚምባብዌ ሴናተር ዳግላስ ቶጋራ ምዎንዞራ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተከናወኑ ስራሕቲ ልምዓት ዘመናውን ፅሩይን ምህዳር ከተማ ንምፍጣር ዘኽኣሉ እዮም ኢሎም።

እዙይ እውን ኢትዮጵያ ፀጋኣ ብምጥቃም ኩለንተናዊ ተጠቃምነትን ዕብየትን ዜጋታት ኣብ ዘፋጥን ቅኑዕ ኣንፈት ልምዓት ምህላዋ ከምዘመልክት ተዛሪቦም።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሃፍቲ  ተፈጥሮ  ትርፊ ንዘይብሉ ግጭትን ንውሑዳት መጥቀሚን ይውዕል ኣሎ ዝበሉ እቶም ሴናተር፤ ኣካይዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ግን ንኣፍሪካውያን ብተሞክሮነት ዝውሰድ ኣርኣያነት ዘለዎ ተግባር እዩ ኢሎም።


 

ተወካሊት ፓርቲ ካንያ ሌሶቶ ኢሬን ምፋሃማ ብወገናን፤ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣመራርሓን ውሳነ ውሃብነትን ብምምፃእ ኣካታትን ኣሳታፊን ፖለቲካል ኢኮኖሚ ምህዳር እናሃነፀት እያ ኢለን።

ተሞክሮ ዘደንቕ ዘመናዊ ልምዓት ከተማ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረን ንምትግበር ዘኽእል ትምህርቲ ዝረኸባሉ ምዃኑ ገሊፀን።

ኣብቲ ጉባኤ ዝነበረን ፃንሒት እውን ኣምር ሃገር ቦቆል ፍልስፍና መደመር ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ዝተገለፁ ውፅኢት ምምፅኡ ከምዝተረደኣ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም