ኢትዮጵያን ዓለምለኻዊ ትካል ሜትሮሎጂን ኣብ ሓለዋ ኣየር ንብረትን ቅድመ-መጠንቀቕታን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለዎም ሓባራዊ ቆራፅነት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 1/2019 (ኢዜኣ)፦ኢትዮጵያን ዓለምለኻዊ ትካል ሜትሮሎጂን (WMO) ኣብ ሓለዋ ኣየር ንብረትን ቅድመ-መጠንቀቕታን ምትሕብባሮም ብዝያዳ ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

መበል 31ይ ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 31) ኣብ ቱርኪዬ - ኣንታሊያ ይካየድ ኣሎ።

"ጉዕዞ ናብ ዘላቒ፣ ጠንካራን ፍትሓውነት ዝተረጋገፀሉ መፃኢ ዘመን" ናይቲ ጉባኤ መሪሕ ሓሳብ እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ትገብር ኣላ።

ሚኒስትር ሃገራዊ ስትራቴጂ በረከት ፍስሃፅዮን ካብቲ ጉባኤ ጎኒ ንጎኒ ምስ ዋና ጸሓፊ ዓለምለኻዊ ትካል ሜትሮሎጂ (WMO) ፕሮፌሰር ሴለስቴ ሳውሎ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ዘተ ኣብ ስርዓታት ትዕዝብቲ ኣየር ንብረትን ኩነታት ኣየርን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር፣ ዓቕሚ ቅድመ-መጠንቀቕታ ንምዕባይ፣ ፍትሓዊ ተበፃሕነት ሓበሬታ ኣየር ንብረት ምብርትታዕን ብቐፃሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ኮፕ 32 ኣብ ሳይንስ ዝተመስረተ ሓለዋ ኣየር ንብረት ንምጥንኻርን ዝኣመተ እዩ።

እቲ ዘተ ብጠንካራ መርበባት ትዕዝብቲ፣ ብፍትሓዊነት ሓበሬታ፣ ብህንፀት ዓቕምን ብዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝን ኣቢልካ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ንምጥንኻር ዘሎ ሓባራዊ ቆራፅነት ኣረጋጊፁ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም