ምርግጋፅ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ሓደን ቀንድን ኣካል ዓብዪ ስትራቴጂ መደመር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ምርግጋፅ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ሓደን ቀንድን ኣካል ዓብዪ ስትራቴጂ መደመር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 1/2019 (ኢዜአ)፦ ዘላቒ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምፍጣን፣ ዋሕዚ ንግዲ ወፃኢ ንምዕባይን ተጠቃምነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ሓደን ቀንድን ኣካል ዓብዪ ስትራቴጂ መደመር ምዃኑ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ንኢዜአ ከምዝገለፅዎ፣ ኢትዮጵያ ናይ ዘመናት ሕራነ ምልማዕ ሩባ ዓባይ ህንፀት ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ሕዳሴ ብምዕዋት ታሪክ ጽሒፋ እያ።
ኣብዚ እዋን ድማ ምርግጋፅ ታሪኻዊ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ምላሽ ንምርካብን ንምርግጋፅን እናሰርሐት ከም ትርከብ ተዛሪቦም።
እዚ ጉዳይ ንዘመናት ብኢትዮጵያውያን እናተልዓለ ዝፀንሐ ምላሽ ዘይረኸበን ብሃገራዊ ጣዕሳነት ዝፀንሐን ታሪኻዊ ሕቶ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ መጥኢ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምሽኣና ኣብ ታሪኽ ሃገርና፣ ፖለቲካን ብሄራዊ ረብሓን ዓብዪ ፅልዋ ዘሕደረ ፍፃመ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣመራርሓ ፖለቲካ ብሄራዊ ረብሓ ሃገርናን ሕቶታት ህዝብን ኣሕሊፉ ንታሪኻዊ ፀላእቲ ምሃቡ ኣብ ታሪክ ዓብዪ ጠባሳ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመንግስቲ ብዝግበር ዘሎ ልዑል ዲፕሎማሲ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ይግበኣ እዩ ዝብል ሓሳብ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ናይ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ጉዳይ እናኾነ ምምፅኡ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ከይትሃንፅ ብታሪኻዊ ፀላእትና ዝተፈፀመ ሸርሒ ብሓድነትና ከምዝመከትናዮ ኩሉ፣ ሕዚ እውን ብሴራ ዝሰኣንናዮ ኣፍ ደገ ባሕሪ ብሓድነትና ኣረጋጊፅና ናይ ኢትዮጵያ ስልጣኔ ኣብ ልዑል ደረጃ ክንሃንፅ ኢና ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሐዚ እትኽተሎ ስልጡን ኣካየዳ ካብ እዋናዊ ድልየት ሓሊፉ ናይ መጻኢ ትውልድታት ዕድል ዝውስን ስትራቴጂካዊ ኣንፈት እዩ።
ዓብዪ ስትራቴጂ መደመር እውን ኣብ 2050 ብልፅግናኣ ዘረጋገፀት፣ ብዓለም ለኸ ብርኪ ዝተኸበረትን ዝተፈርሐትን ሃገር ምህናፅ ዓላማ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።
ጉዳይ ምርግጋፅ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ እውን ናይዚ ስትራቴጂ ሓደ ኣካል ምዃኑ ኣብሪሆም።
ልዕሊ 130 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋን ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪካ ቀዳሞት ሃገራት ሞንጎ ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ኣፍ ደገ ባሕሪ መውጽኢ ዘይምህላዋ ኣብ ንግዲ፣ ትራንስፖርትን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ዘሕድሮ ፀቕጢ ልዑል ምዃኑ ኣገንዚቦም።