ቢሮ ንግድን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ምስ ወነንቲ መዐደሊ ነዳዲ ከተማ መቐለ ዘተ ኣካይዱ

መቐለ/ሕዳር/1/2019/ኢዜኣ/ቢሮ ንግድን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ምስ ወነንቲ መዐደሊ ነዳዲ ከተማ መቐለ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ቢሮ ንግድን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ምስ ማሕበር ወነንቲ መዐደሊ ነዳዲ ከተማ መቐለ፣ ኣብ ምምፃእን ምክፍፋልን ነዳዲ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማትን ካልኦት ከም ዕንቅፋት ዝተልዓሉ ጉዳያትን ብዝምልከት ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ ልዕሊ 21 ወነንቲ ነባራትን ሓደሽትን መዐደሊ ነዳዲ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ዝተዛተይሉ መድረኽ ምምፃእን ምክፍፋልን ነዳዲ ዘጋጥምዎም ፀገማት ብምዝርዛር፣ ብፍላይ ካብ ጅቡቲ ክሳብ ትግራይ ኣብ ዘሎ መስመር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኬላታት ኣብ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ዓብዪ ፅዕንቶ ከምዘለዎም ጠቒሶም። እቲ ፀገም ብዘላቒ ንምፍታሕ እውን ምምሕያሽ ክግበረሉ ሓቲቶም።

ኣብቲ ምይይጥ መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቢሮ ንግድን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ግርማይ ዝተልዓሉ ፀገማት ብትኹረት ከምዝርእይዎምን ኣድላዪ ፍታሕ ንምሃብ ከምዝሰርሑን ቃል ኣትዮም።

ብፍላይ ብሸርፊ ወፃኢ ናብ ሃገር ኣታዊ ዝግበሩ ነዳድን ካልኦት ሸቐጣትን ካብ ዝተመደበሎም ዕላማ ወፃኢ ከይውዕሉ ኣድላዪ ክትትልን ቁፅፅርን ከምዝግበር ገሊፆም። ካብ ዝተመደበሎም ዕላማ ወፃኢ ንዘውዕሉ ኣካላት ድማ ብሕጊ ተሓተትቲ ከምዝገብሩ ኣረዲኦም።

ንወነንቲ መዐደሊ ነዳዲ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክምለሱ፣ ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ንነዊሕ እዋን ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ኮይነን ዝፀንሓ መዐደሊ ጣብያታት ድማ ኣድላዪ ሓድሽ ፈቓድን ሕድሳትን ክግበረለን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም