ልምዓት፤ ሰላም ፤ ሓድነት ፤ ዝዝመረላ ትግራይ ትኹን - ኢዜአ ትግርኛ
ልምዓት፤ ሰላም ፤ ሓድነት ፤ ዝዝመረላ ትግራይ ትኹን
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ዝተረኽበ ጭላንጭል ሰላም ንምፅልማት ዝሓረዮ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ንቲ ክልል ዳግማይ ናብ ዘይምርግጋእን ናብ ዝኸፍአ ናይ ህላወ ቅልውላውን ኣእትይዎ ፀኒሑ እዩ።ብሰንኪ እዚ ኣብ ትግራይ ልምዓት ሰላም ሓድነት ዝበሃሉ ታኣሳሲሮም ዝኸዱ ጉዳያት ምሽም እውን ኣይነበሩን ።
ኮይኑ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይዚ ፅንፈኛ ጉጅለ እኩይ ድሌት ግዳይ ብምዃን ናይ መንእሰያት ህይወት ምጥፋእ፣ ዕንወት ንብረት፣ ውድቀት ኢኮኖሚን ዘይትካእ ማሕበራዊ ቅልውላውን በፂሕዎ እዩ።
ኣብ ካልኦት ኣከባቢታት ዝተስፋሕፈሐ ናይ ልምዓት ዕድል ንትግራይ ከይበጽሕ፣ ቆልዑን መንእሰያትን ትግራይ ካብ መኣዲ ትምህርቶም ንኽመዛበሉ፣ ኣዴታት ትግራይ ወላድ መኻን ንኽኾናን እቲ ክልል ካብ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ንኽግለልን ምኽንያት ኾይኑ እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ተግባር “ይኣክል!” ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ጉጅለ ህላወ ንኸብቅዕ ብምግባር ንሰላም ዘለዎ ጽኑዕ ድሌት ብጋህዲ ኣርእዩ እዩ።
መንግስቲ ፈደራል እውን ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነቱ ንምውጻእ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 62(9) ግዝያዊ ናይ ፈዴራል ሓደራ ምምሕዳር ብምጣሽ ኣብቲ ክልል ልዕልነት ሕጊ፣ ሰላምን ፀጥታን ምርግጋፅ ኪኢሉ እዩ።
እዚ ወሳኒ ስጉምቲ ናይቲ ህዝቢ ሓደገኛነት ካብ ምሕላዉ ብተወሳኺ ንቲ ከባቢ ሓዲሽ ናይ ተስፋ ብርሃን ኣምፂኢሉ እዩ።
ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ንክምለሱ ተገይሩ እዩ።
ናይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ንግዲን መስመራት በረራ ኣየርን እንደገና ስራሕ ብምጅማሮም ናይቲ ማሕበረሰብ መዓልታዊ ህይወትን ኢኮኖሚያዊ ንቅስቓስን ናብ ዝነበሮ ይመለስ ኣሎ።
ካብዚ ንላዕሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ብህጹፅ ንምድጋፍ ሰፊሕ ናይ ሓገዝ ቀረብ ምብታን ምስ ዓለም ለኻውያን መሓዙት ብምውዳድ ተጠናኺሩ ቐጺሉ ኣሎ።
ብኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣቢሉ ናይ ኲናት ኣጥዋር ናይ ምፍታሕ፣ ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምምላስን ምጣሸን ስራሕ (DDR) ብሰፊሑ ይካየድ ኣሎ።
ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተፃዒንዎ ካብ ዝነበረ ናይ ኣምባገነንነት፣ ጭንቀትን ስግኣትን ሃዋህው ምሉእ ብምሉእ ወፂኡ ዓብዪ ዕረፍቲ ረኺቡ ኣሎ።
ሕዚ ኣብቲ ክልል ዝነፍስ ዘሎ ናይ ሰላምን ዕርቅን ኣየር ናይቲ ህዝቢ ልቢ ብዓብዪ ተስፋ መሊእዎ ኣሎ።
ኣብ ሕድ ሕድ ከባቢ ዝረኣይ ዘሎ ዝተረጋገአ መንፈስ፣ ናይ ልምዓት ሓቦን ናይ ሓባር ናይ ህይወት ትንሳኤን እቲ ህዝቢ ናይ ሰላም መቐረት ብኣግባቡ ንኽጥዕሞ ገይርዎ ኣሎ።
እቲ ህዝቢ እቲ ሓዲሽ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዘቕረቦ ናይ ሰላም፣ ልምዓትን ናይ መጻኢ ተስፋን ፃውዒት ብሓጎስ ብምቕባል ኣብቲ ምምሕዳር ጎኒ ብጽንዓት ጠጠው ብምባል ሰላምን ፀጥታን ናይ ምኽባር፣ ናይ ኮሪደር ልምዓትን ከባብያዊ ጎንፅታት ናይ ምክልኻልን ስራሕቲ ንጡፍ ትሕብበር ይገብር ኣሎ።
እዚ ዝተዋደደ ህዝባዊ ፃዕርን ንቲ ክልል ናብ ዘላቒ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ብልጽግናን ሓዲሽ ምዕራፍ ብጋህዲ የሰጋግሮ ኣሎ።
በተወሳኺ ብዓል ሓደራ ምምሕዳር ንዝሰርሖም ስራሕቲ ብምድጋፍ ኣጋጢሙና ካብ ዘሎ ኩለመደያዊ ፀገም ከም ሕብረተሰብ ክንወፅእ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምትገብር ዘለና ፅኑዕ እምነትና ፅኑዕ እዩ።
ሰላምን ድሕንነትን ምውሓስ ናይ ኩላትና ሓባራዊ ሓላፍነት እዩ። ስለዚ ኩሎም ፣ ኣካላት ፀጥታን ተሳተፍቲ ኣካላትን፣ ነዞም መምርሒታት ብምኽባር፣ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን እጃሞም ክዋፅኡ ነዘኻኽር።
ደጊም ትግራይ ይኣኸላ ድምፂ ጠበንጃ እንተይኮነስ ድምፂ ትራክተር ዝስመዐላ ትግራይ ክንፈጥር ኩላህና ንመርሽ። ህዝቢ ዝፀልኦ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ሓፂር ግዘ ተሳዒሩ እዩ ።ንተንስእ ሓደ ንኹን ፍቐሪ ንኹን ።ትግራይ ከም እተን ካልኦት ክልላት ኢትዮጲያ ኣብ ጎደና ልምዓት ትሰጉም ።ልምዓት ሰላም ሓድነት ዝዝመረላ ትግራይ ትኹን ።