ኣብቲ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኣየር ንብረት ዝተሸረሸረ እምነት ዳግማይ ምህናፅ ቀዳማይ ትኹረት ኢትዮጵያ እዩ - ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኣየር ንብረት ዝተሸረሸረ እምነት ዳግማይ ምህናፅ ቀዳማይ ትኹረት ኢትዮጵያ እዩ - ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 1/2019 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኣየር ንብረት ዝተሸረሸረ እምነት ዳግማይ ምህናፅ ቀዳማይ ትኹረታ ገይራ ከምትሰርሕ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ፕሬዝዳንት ኮፕ 32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ዕላማታት ኣየር ንብረት ንምዕዋት ዓለምለኻዊ ቀረብ ፋይናንስ ፍትሓዊ ክኸውን ከምዝግበኦ እውን ገሊፆም።
መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ኣየር ንብረት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 31) ኣብ ቱርኪዬ ኣንታሊያ ይካየድ ኣሎ።
"ጉዕዞ ናብ ዘላቒ፣ ጠንካራን ፍትሓውነት ዝተረጋገፀሉ መፃኢ ዘመን" ናይቲ ጉባኤ መሪሕ ሓሳብ እዩ።
ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ትገብር ኣላ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ተመራፂ ፕሬዝዳንት ኮፕ 32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ካብቲ ጉባኤ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሳቲፎም።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ብሰንኪ ቕልውላው ኣየር ንብረት ንዝተጎድኣ ሃገራት ዘለዎም ሽርክና ገሊፆም።
ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኸበድትን ውሳነ ዝደልዩን ታሪኻዊ ፈተናታት ኣጋጢሞምዎ ይርከቡ ኢሎም።
ቕልውላው ኣየር ንብረት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ምምፅኡ ብምጥቃስ፣ ጂኦፖለቲካዊ ውጥረታት ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ይፈታተኑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ዓለምለኻዊ ርክባት ኢኮኖሚ ካብ ብሄራዊ ድልየታት ፀጥታ ኣንፃር እናተገመጉሙ ምዃኖም እውን ኣልዒሎም።
እቶም ሚኒስትር ሃገራት ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ኢንቨስትመንትን ንግድን ብዘካይድዎ ውድድር ምኽንያት፣ ዓለምለኻዊ ፃዕርታት ምክልኻል ኣየር ንብረት ለውጢ እናተሸረሸሩ ምምፅኦም ኣብሪሆም።
ሃገራት ኣድላዩ ፋይናንስ ኣየር ንብረት ኸይረኸባ ልቀት ሙቐት ኣማቒ ጋዝ ክንክያን ፀቕጥታት ክፃወራን ዝለዓለ ሓላፍነት ይውደቐን ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ሳይንሳዊ ሪፖርታት ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምጥቃስ፤ ወሰኽ ሙቐት ምቁፅፃር፣ ድሉውነት ምፅዋር ተፅዕኖታትን ምምላእን ክፍተታትን፣ ንጉድኣትን ኪሳራታትን ቕልጡፍ መፍትሒ ምሃብን ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ክፍተት ቀረብ ፋይናንስ ኸይተመልአ ልቐት ምቕናስን ዓቕሚ ድሉውነት ምጥንኻርን ክሕሰብ ዝኽእል ጉዳይ ከም ዘይኮነ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ንጉባኤ ኮፕ 32 ብኣቦወንበርነት ንምምራሕ ኣብ ትዳለወሉ ዘላ ኣብዚ እዋን፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ኣየር ንብረት ዝተሸረሸረ እምነት ዳግም ኣብ ምህናፅ ቀዳማይ ትኹረታ ገይራ ከምትሰርሕ ተዛሪቦም።
እቲ እምነት ዳግም ንምርካብ ብተግባር ዝተደገፈ ኣፈፃፅማ፣ ኣካታቲ ኣሰራርሓ፣ ኣፈላለያት ብዘተ ምፍታሕን ዓለምለኻዊ ዕላማታት ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፕላናት ምውሃድን ከምዘድሊ ኣመላኺቶም።
ምትሕብባር ኣየር ንብረት ንዓለምለኻዊ ሓድነት ቀንዲ መደላድል ምግባር ከም ዘድሊ ገሊፆም፡፡