ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና ዝተኻየዱ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ይሸጋገሩ ኣለዉ፡- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 01 /2019 (ኢዜኣ)፦ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና ዝተኻየዱ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ይሸጋገሩ ከም ዘለዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣(ኢዜአ)፦ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ኢንቨስትመንት ግብርና ዝተኻየዱ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ይሸጋገሩ ኣለዉ ኢሎም፡።

ብትሑት መበገሲ ካፒታል ዝተጀመሩ ኢንቨስትመንታት ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ዓቕሚ ካፒታሎም ምዕባይ ከም ዝተኽኣል ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ግዘ ምህጣሮም ዝወደኡ ኣባዑር መሕረዲ ሃረር፣ በቢ ሰለስተ ወርሑ ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ንምጥንኻር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ የበርክቱ ምህላዎም ኣመላኺቶም።


 

ኣብ ዝቕፅል እውን ኣብዚ ዓውዲ ብሰፊሑ ብምውፋር ኢኮኖሚ ሃገርናን ሸርፊ ወፃእን ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ከይዲ በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓታት፣ ሰብ ሞያታትን ኻልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብትግሃት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣብ መልእኽቶም ኣገንዚቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም