ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ተርኪዬ ኣብ መሰጂድ ኣል-ነጃሺ ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2019(ኢዜኣ) ካብ ኤጀንሲ መተሓባበሪ ልምዓት ሃገረ ተርኪዬ ዝተልኣኸ ጉጅለ ኣብ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ሓድጊ ኣል-ነጃሺ ብመንግስቲ ተርኪዬ ዝስራሕ ዘሎ ፕሮጀክት ፅገናን ልምዓትን ንምዕዛብ ሎሚ ዑደት ስራሕ ኣካይዱ። 
ኣብቲ ዑደት ሓለፍቲ ስራሕ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ወከልቲ ማሕበረሰብን ዝተረኸቡ እንትኸውን፤ ድሕሪ እቲ ዑደት ብቐፃሊ ሓቢርካ ምስራሕ ዘኽእል ዘተን ምኽክርን ምስቲ ልኡኽ ተኻይዱ። 



ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ሓጎስ ኣብረሃ(ዶ/ር) ኣብቲ ዑደት ተረኺቦም፤ ኣል-ነጃሺ ዘለዎ ረዚን ታሪኻዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓድግነት ኣብራህሪሆም።
ምስ መንግስቲ ተርኪዬ ዝተሰርሐ ስራሕ ፅገናን ልምዓትን እቲ ሓድጊ ኣብ ዩኔስኮ ብቀዋምነት ንምምዝጋብ ከም ዝሕግዝ ገሊፆም።



ቱሪዝም ብምልማዕ ሕብረተሰብ ተረባሒ ንምግባር ዓለም ለኸ ምሕዝነታት ምጥንኻር ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ምስ ተርኪዬ ዝነበረ ርክብ ውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፆም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣፍሊጡ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም