ኣተሓሳስባ መደመር ሕውነት ኣፍሪካውያን ንምጥንኻር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2019 (ኢዜኣ) ኣተሓሳስባ መደመር ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ሓድነትን ምትሕብባርን ሃገራት ኣፍሪካ ብምጥንኻር ሕውነት ህዝብታት ንምጥንኻር ልዑል እጃም ከም ዘለዎ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 2ይ ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ “ንዕቤት ምምራሕ፤ ውድባት ፖለቲካ ከም መሃንዲሳት መፃኢ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።
ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ኣተሓሳስባ መደመር ኣብ ኩሎም ዓውድታት ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ።
መደመር ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ኣብ ኣፍሪካ እውን ዓብይ ውፅኢት ዘምፅእ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ብብርኪ ኣፍሪካ ሂወት ዜጋታት ዝቕይሩ ኣተሓሳስባታት ኣብ ስራሕ ምውዓል ኣድላይ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ብተግባራዊነት ኣተሓሳስባ መደመር ዝመፁ ለውጥታት ቀሪቡ ሃገራት ኣፍሪካ ተሞኩሮ እናወሰዳ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ኣተሓሳስባ መደመር ካብ ኢትዮጵያ ብዝዘለለ ሓድነት፣ምትሕብባርን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ሃገራት ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ብርክት ዝበሉ ዓለም ለኸ ጉባኤታት እናተኣናገደት ከም ትርከብ ብምግላፅ፤ ልዕሊ 250 ዓለም ለከ ኮንፈረንሳት ኣብ ሃገርና ምክያዶም ኢትዮጵያ ንሰላምን ጉባኤታትን ዘለዋ ተመራፅነት ዘርኢ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም