ኣብ ኢትዮጵያ ብፀጋ መደመር ኣብ ዓውዲ መዓድን ዝተመዝገበ ፀበለልታ መርኣያ ስግግር ፖለቲካን ኢኮኖምን እታ ሃገር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ብፀጋ መደመር ኣብ ዓውዲ መዓድን ዝተመዝገበ ፀበለልታ መርኣያ ስግግር ፖለቲካን ኢኮኖምን እታ ሃገር ከም ዝኾነ ሚኒስትር መዓድን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ገሊጸን።
መበል 2ይ ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ “ንዕቤት ምምራሕ፤ ውድባት ፖለቲካ ከም መሃንዲሳት መፃኢ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይካየድ ኣሎ።



ሚኒስትር መዓድን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ዕቑር ሃፍቲ ተፈጥሮን መዓድናትን ኣፍሪካ ንብዙሕ ዓመታት ፍልፍል ሃፍቲ ካልኦት ሃገራት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
ኣፍሪካ ሃፍቲ፣ዓቕሚ፣ካፒታልን ፍልጠትን መዓድን ከም ዘለዋ ብምግላፅ፤ ይኹን እምበር ሃፍታ ካልኦት እናተጠቐምሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺረን።
ይኹን እምበር ካብ ቀረባ ዓመታት ኣፍሪካ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ብምቅንብባርን መናእሰይ ብክእለት ብምብቃዕን ኣብ ረብሓ ምውዓል ከም ዝጀመረት ሓቢረን።
ኢትዮጵያ ፕሮጀክትታት መፃረዪ መዓድን፣መፍረዪ ጋዝ፣መፃረዪ ነዳዲ ኣብ ስራሕ ምውዓል ከም ዝጀመረት ተዛሪበን።
ሃፍቲ ተፈጥሮና ፀጋ ብምውሳኽን ብምቅንብባርን ንዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ እቲ ኢንዱስትሪ ብቕልጡፍ ንክዓቢ ተገይሩ እዩ ኢለን።
ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ንዕዳጋ ወፃኢ ዝቐርብ ዝነበረ ፍርያት ወርቂ ኣብ ዓመት 300 ሚሊዮን ዶላር ጥራሕ ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ብፍልስፍና መደመር እቲ ዓውዲ ልዑል ጸብለልታ ብምምዝጋብ ናብ 5 ነጥቢ 6 ቢልዮን ዶላር ከም ዝዓበየ ኣረዲአን። 
ፍልስፍና መደመር ዘምፅኦ ዝረአን ዝጭበጥን ለውጢ መርኣያ ስግግር ፖለቲካን ኢኮኖምን ኢትዮጵያ እዩ ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም