ፓርቲ ብልፅግና ኢንሼቲቭ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ብላዕለዋይነት ንክመርሕ ተመሪፁ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 28/2019 (ኢዜኣ) ፓርቲ ብልፅግና ኢንሼቲቭ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ (APPS ) ብላዕለዋይነት ንክመርሕ ብሙሉእ ድምፂ ተመሪፁ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) እቲ  ኢኒሼቲቭ ንክመርሑ ዋና ፀሓፊ(Executive Secretary) ኮይኖም ተሸይሞም። 
መበል 2ይ ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ “ንዕቤት ምምራሕ፤ ውድባት ፖለቲካ ከም መሃንዲሳት መፃኢ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



እቲ ጉባኤ ሎሚ ከም ዝዛዘመ ትፅቢት ይግበር።
ውፅኢታት እቲ ጉባኤ ዝሓዘ ድንጋገ ኣዲስ ኣበባ (Addis Ababa Declaration) ሎሚ ዕላዊ ከም ዝግበር እውን ትፅቢት ይግበር።
ኣብቲ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ንተበግሶ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ (APPI) ብላዕለዋይነት ንክመርሕ ብሙሉእ ድምፁ ከም ዝተመረፀ ተገሊፁ።
ኣብቲ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ንተበግሶ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ (APPI) ብላዕለዋይነት ንክመርሕ ብሙሉእ ድምፂ ዝተመረፀ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ኣህጉራዊ ተሳትፎን ኣፍልጦን እቲ ፓርቲ ዘጉልህ ዓብይ ምዕራፍ ተገይሩ ከም ዝተወሰደ ተገሊፁ።
እቲ ውሳነ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተወከሉ መራሕትን ተወከልትን ውድባት ፖለቲካ ብዝገበርዎ ዕሙቕ ዘተ እዩ ተወሲኑ።
ኣብቲ ዘተ እውን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ህንፀት ሃገር፣ ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚን ፍልስፍና መደመርን ዘለዎ ተሞኩሮ ተላዒሉ።
እቶም ተሳተፍቲ ልምዲ ፓርቲ ብልፅግና ንመላእ ውድባትን ሃገራትን ኣፍሪካ ሰናይ ተሞኩሮ ዝውሰደሉ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ኢንሼቲቭ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ (APPI) ጉባኤ ዘሕልፎም ውሳነታትን ኣንፈታትን ብተግባር ናይ ምትርጓም ሓላፍነት ዘለዎ ላዕለዋይ ኣካል እዩ።
ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ኢኒሼቲቭን ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ትግበራን ብላዕለዋይነት ንክመርሑ ዋና ፀሓፊ ዋና (Executive Secretary) ኮይኖም ተሸይሞም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም