በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ንኮርፖሬሽን ሚድያትግራይ ምስክር ወረቐት ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ሂቡ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ንኮርፖሬሽን ሚድያትግራይ ምስክር ወረቐት ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 27/2019 (ኢዜኣ) በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ ስያመ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንዝሃቦ ትግራይ ኮርፖሬሽን ሚድያ ትግራይ ምስክር ወረቐት ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ሂቡ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሃይማኖት ዘለቀ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት እቲ ኮርፖሬሽን ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ፖለቲካን ኣወዳድባ ህዝብን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣረኪበን።
ኣብ ክልል ትግራይ ተበፃሕነት ሓበሬታ ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሰርሑ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ህንፀት ዓቕምን ተዛመድቲ ደገፍ ቴክኒክን ብዝምልከት ኣብ ቤት ፅሕፈተን ዘተ ኣካይዶም።
ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣብቲ ዘተ፤ እቲ በዓል ሓደራ ምምጅዳር ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ስራሕቲ ዕቦአትን ልምዓን ንምቅልጣፍ ዘኽእሎ ተበፃሕነት ሓበሬታ ህዝቢ ንምርግጋፅ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኮርፖሬሽን ድምፂ ህዝቢ ብምዃን ኣወንታዊ እጃሙ ብኣግባቡ ንክዋፃእ ንዝገብሮ ፃዕሪ እቲ በዓል መዚ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ሓቲቶም።
ዋና ዳይሬክተር መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ብግደአን፤ እቲ በዓል መዚ ብሓዱሽ ስያመ ናብ ህዝቢ ተበፃሒ ንዝኾኑ ሚድያታት እቲ ክልል ኣብ ሕግታት ሃገርና፣ ብሄራዊ ረብሓ፣ ህንፀት ሰላም ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽን ስነ ምግባር ጋዜጠኝነትን ተኸታተልቲ ስለጠናታት ህንፀት ዓቕሚ ኣብቲ ሓዱሽ ዘህነፅናዮን ትማሊ ዝተመረቐን ማእኸል ልህቀት ሚድያ ኢትዮጵያ ክወሃብ እዩ ኢለን።
እቲ በዓል መዚ ኣብቲ ኣዋጅ ብዝተቐመጠ መሰረት ኣብቲ ክልል ንተበፃሕነት ሓበሬታ ኣወንታዊ እጃም ንዘለዎም ሚድያታት ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ነቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፃናሎም።