ብፍልስፍና መደመር ዝምራሕ ፓርቲ ብልፅግና ንሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ምስራሕ ቅዋም ዝገበረ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 27/2019 (ኢዜኣ) ብፍልስፍና መደመር ዝምራሕ ፓርቲ ብልፅግና ንሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ብሓባር ምስራሕ ቅዋም ዝገበረ ከም ዝኾነ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 2ይ ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ "ንዕቤት ምምራሕ፤ ውድባት ፖለቲካ ከም መሃንዲሳት መፃኢ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ምክያድ ጀሚሩ።



ፕሬዚዳንት ፓርት ብልፅግናን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ዜጋታት ዝሓሸ ሂወት ንክነብሩ ውድባት ፖለቲካ ዓብይ ሓላፍነት ኣለዎም።
ውድባት ፖለቲካ ብህዝቢ እምነት እንተስኢኖም ከም ውድብ ይኹን ፖለቲካ ይኸስሩ እዮም ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍልስፍና መደመር ዝምራሕ ፓርቲ ብልፅግና ንሓባራዊ ዕላማ ብሓባር ምስራሕ ቅዋም ዝገበረ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያውያን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢትዮጵያውነት ብምትእኽኻብ ዝፈጠርዎ ብሄራዊ ፓርቲ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ፓርቲ ሓላፍነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተረከበ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ናብ 17 ሚልዮን ዝፅጋዕ ኣባላት ዘለውዎ ዓብይ ውድብ ፖለቲካ እዩ ኢሎም።
ፓርቲ ብልፅግና ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 50 ሚኢታዊ ወንበር ምርካብ ንዘይከኣሉ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ካቢኔ ንክሳተፉ ከም ዝገበረ እውን ኣረዲኦም።
ህዝቢ ምግልጋል ዓብይ ሓላፍነት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ዓውድታት ቴሌኮምን ባንክን ንኢንቨስትመንት ወፃኢ ክፍቲ ብምግባር ውፅኢታዊ ሪፎርም ኢኮኖሚ ገይርና ኢና ክብሉ ሓቢሮም።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ነቲ ህዝቢ ብምትሕብባር ካብ ዝነበሮ ብምቅፃልን ብምዝዛምን ንጎረቤት ሃገራት እውን ንክጠቅም ከም ዝተገበረ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ነቲ ህዝቢ ብምትሕብባር 56 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ንዕቀባ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሃናፂ እጃም እናተዋፃእና ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።
ውድባት ፖለቲካ እቲ ህዝቢ ዋላ ኳ ዝደለዮ እንተመረፀ ኣብ ብሄራዊ ጉዳያት ኣፈላላይ ክህልዎም ከም ዘይግባእ ብምግላፅ፤ ንመናእሰይ መራሕቲ ዕድል ምሃብ ከም ዝግባእ እውን ገሊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም