መሰረት ሓባራዊ ጥንካረ ኣፍሪካ ምትእስሳር ሕውነትን ኣሓትነትን እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ 26/2019 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ንልምዓታን ዓርሳ ንምኽኣልን ካብ ዘለዋ ሓባራዊ ራኢ ብተወሳኺ መሰረት ሓባራዊ ጥንካርኣ ምትእስሳር ሕውነትም ኣሓትነትን ከም ዝኾነ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
መበል 2ይ ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ “ንዕቤት ምምራሕ፤ ውድባት ፖለቲኣክ ከም መሃንዲሳት መፃኢ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልትታት ቀፃሊ ኩነታት እታ ኣህጉር ዝሕንፅፁ ወሰንቲ ዘተታት ከም ዝካየዱ እውን ተገሊፁ።
ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ንተሳተፍቲ ኢ ጉባኤ ኣብ ፓርክ ኣራዳ ኣብ ዝተዳለወ እንግዶት ድራር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም እውን ካብ ኣጀንዳ እቲ ጉባኤ ብተወሳኺ መድረኽ ሕውነት፣ ኣሓትነትን ሓድነትን ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ዋና ከተማ ፖለቲካ እታ ኣህጉር ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብቕልጡፍ እናተቐየረት ከም ዝኾነት ብምሕባር፤ ነቶም ኣጋይሽ እንኳዕ ብደሓን መፃእኹም ኢሎም።
ዘተታት እቲ ጉባኤ ውፅኢታዊ ኮይኖም ዝማዕበለትን ዝሓበረትን ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርክቱ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ እውን ኣብቲ እንግዶት ድራር ንዝተረኸቡ ኣጋይሽ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ እውን ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሎኦም ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና፣ ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት መሶብ ኣዲስን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ካልኦት ፕሮጀክትታት ልሞዓትን ጎብንዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም