ኢትዮጵያ ወሳኒ ሃፍቲ መዓድና ንዘላቒ ዕቤት ኢኮኖምን ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃእን ምውዓል ዘኽእል ዓቕሚ እናሃነፀት እያ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 24/2019 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ወሳኒ ሃፍቲ መዓድና ንዘላቒ ዕቤት ኢኮኖምን ተወዳዳሪነት ንግዲ ወፃእን ምውዓል ዘኽእል ዓቕሚ እናሃነፀት ከም ዝኾነት ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ።
ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር ልዑል ረብሓ ኣብ ዘለዎም መዓድናት መድረኽ ምኽክር ፖሊሲ የካይድ ኣሎ።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣማኻሪ ጉዳያት ዲፕሎማሲ ፖለቲካን ኢኮኖምን ኣምባሳደር ወርቃለማው ደስታ ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ፣ሓፈሻውን ዘላቕን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዓብይ ሃገራዊ ራኢ ተሓንጊጣ እናሰርሐት እያ ትርከብ።
ኣብዚ ከይዲ ዓውዲ መዓድን ኢኮኖሚ እታ ሃገር ካብ ፅግዕተኛነት ውሑዳት ዓውድታት ንክላቐቕ፣ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ ንምዕባይ፣ንዜጋታት ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይን ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገብር ስትራቴጂካዊ ዓውዲ ተገይሩ ከም ዝተፈለየ ሓቢሮም።
 ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዝግበር ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ንምጥንኻር እውን ዓውዲ መዓድን ከም ዋና ስትራቴጂካዊ መሳርሒ ከም ትጥቀመሉ ኣፍሊጦም።
እቲ መድረኽ ሕብረት ኣውሮፓም ኢትዮጵያን ኣብ ወሰንቲ መዓድናት ዝገብርዎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝለዓለ እጃም ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኣብዲዋሳ አብዲላሂ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ወርቅ፣ ፖታሽን ካልኦት ብርክት ዝበሉ መዓድናትን ዘለዋ ኣዝዩ ልዑል ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝወነነት ሃገር እያ ኢሎም።
ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ወሰንቲ መዓድናት ዝገብርዎ ሓባራዊ ስራሕ ምጥንኻሮም እውን ክልቲኦም ወገናት ብሓባር ተረባሕቲ ከም ዝገብር ሓቢሮም።
ኣብ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ መራሒ ጉጅለ ግሪን ዲል ጁልያ ዌይቨቤር፤ ወሰንቲ መዓድናት ንንፁህ ሓይሊ፣ዲጂታል ኢኖቬሽን፣ቴክኖሎጂ ሕክምናን ዘበናዊ ኢንዱስትርታትን ዋና እታዎት ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሃፍቲ ወሰንቲ መዓድንን ልዑል ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይልን ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ንሕብረት ኣውሮፓ ወሳኒትን ፍልይትን እጃም መሓዛ ዘለዋ ሃገር እያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም