ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ብድሙቕ ኣቀባብላ ይቕበል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 24/2019(ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንዘበነ ትምህርቲ 2019 ዝተመደቡ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ብድሙቕ ኣቀባብላ ይቕበል ኣሎ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ 24-25 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ንክኣትዉ ዝፀውዐ እንትኸውን፤ ብመሰረት እቲ ፃውዒት ድማ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብቲ ዩኒቨርሲቲ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ።



ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ገብረየሱስ ብርሃነ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ዝተረኸቡ እንትኸውን፤ ነቶም ተምሃሮ “እንኳዕ ናብ ካልኣይ ገዛኹም ብሰላም መፃኹም” ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ድሙቕ ኣቀባብላ እናገበሩ እዮም ዝርከቡ።



ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ገብረየሱስ ብርሃነ ኣብዚ እዋን፤ “ትካልና ንዓኹም ከም ኣቦ፣ከም ኣደ ከምኡ እውን ከም ሓደ ዓብይ ቤተሰብ ኮይኑ ናይ ፅባሕ ተስፋኹም ንምዕዋት ሙሉእ ምድላው ኣለዎ” ኢሎም።
ተምሃሮ ኣብ እዋን ፃንሒቶም ዕዉታት ንክኾኑን ብፍልጠትን ሰናይ ስነ ምግባርን ዝተሃነፁ ንክኾኑን ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ከም ዝገብረሎም ምግላፆም እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ገሊፁ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ እንኳዕ ናብ ካልኣይ ገዛኹም ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብሰላም መፃኹም ክብል እውን ሰናይ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም