ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ነባራትን ሓደሽትን ተምሃርኡ ይቕበል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 23/2019(ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ነባራትን ሓደሽትን ተምሃርኡ ብድሙቕ ኣቀባብላ ይቕበሎም ኣሎ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ካብ 23-24 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ንክኣትዉ ዝፀውዐ እንትኸውን፤ ብመሰረት እዚ ፃውዒት ድማ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ።



ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ገ/ሚካኤል ወልደ ገብርኤል(ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓን ኣባላት ሕብረት ተምሃሮን እቲ ዩኒቨርሲቲ ተረኺቦም ብሓጎስ እናተቐበሉን “እንኳዕ ደሓን መፃኹም” እናበሉን ከም ዝርከቡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።



እቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ካብ ሎሚ 23 ክሳብ ፅባሕ 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ዝቕፅል እንትኸውን፤ ኩሎም ነባራትን ሓደሽትን ተምሃሮ ኣብቶም ዝተገለፁ መዓልትታት ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ብምምፃእ ንክምዝገቡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።  

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም