ኣብ ኮሪደር ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኔትወርክ መምልኢ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምዝርጋሕ ስምምዕ ሓባራዊ ኢንቨስትመንት ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 21/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ኮሪደር ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኔትወርክ መምልኢ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምዝርጋሕ ምስ ሰለስተ ኩባንያታት ወፃኢ ስምምዕ ሓባራዊ ኢንቨስትመንት ከም ዝተፈፀመ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ጌቱ ገረመው ከም ዝበልዎ፤ ኣብ መስመር ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ መሰረተ ልምዓት መምልኢ ቻርጅ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምዝርጋሕ ምስ ኮርፖሬሽን ቭሮድ ኤንድ ብሪጅ ቻይና፣ ቤጂንግ ፎርኤቨር ቴክኖሎጂ ሊሚትድን ቴክኖሎጂ ሁዋዌን ስምምዕ ተገይሩ።
እዚ ስምምዕ ምትሕብባር ቀዲምካ ድሌት ሓይሊ ብምፅናዕ፣ እቶም ጣብያታት ዝህነፅሎም ከባብታት ብምፍላይ ከምኡ እውን ሞዴላት ቴክኒክን ሰሌዳታት ግዜን ብምውፃእ ተግባራዊ ንምግባር ይሕግዝ ኢሎም።



እቲ ስምምዕ ኣብቲ ኮሪደር ጣብያታት መምልኢ ተሽከርከርቲ ብምውዳድ ተብፃሕነቶም ንምስፋሕ ዝዓለመ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን እቲ ፕሮጀክት ስግግር ቴክኖሎጂ ንክህሉ፣ዓቕሚ ሰብ ሞያ ንክዓብን ዕድል ስራሕ ንክፍጠርን ደገፍ ከም ዝገብር ኣረዲኦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ሓምለዋይ ስርዓት ትራንስፖርት ብምልላይ ፅግዕተኛነት ነዳድን ንዕድጊት ነዳዲ ዝወፅእ ሸርፊ ወፃእን ንምንካይ፣ ብኽለት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ኣጠቓቕማ ተሓዳሲ ሓይሊ ንምዕባይን ዓብይ እጃም ከም ዝህልዎ ገሊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም