ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ሽልማት ዘላቒ ልምዓት ከተማታት 2026 ምርካባ ንኢትዮጵያ ዓብይ ኩርዓት እዩ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር - ኢዜአ ትግርኛ
ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ሽልማት ዘላቒ ልምዓት ከተማታት 2026 ምርካባ ንኢትዮጵያ ዓብይ ኩርዓት እዩ-ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 21/2019 (ኢዜኣ) ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ሽልማት ዘላቒ ልምዓት ከተማታት 2026 (2026 Global Award for Sustainable Development in Cities) ምርካባ ኣብታ ከተማ ዝተርኣየ ዕቤት፣ ዘላቒ ልምዓትን ቀፃልነት ዘለዎ ለውጥን ዘረጋግፅ ስለ ዝኾነ ዓብይ ኩርዓት ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፁ።
እዚ ድማ ንቕድሚት ንምርኣይ ሰናይ ኣጋጣሚ እዩ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ታሪኽ፣ ሓድግን መንነትን ሕድ ሕድ ከትማ እናሓለና ዘበናዊ፣ ሓቛፍን ዘላቕን ከተማታት ምህናፅማ ክንቕፅለሉ ኣለና ዝበለ እቲ ቤት ፅሕፈት፤ ልምዓት ከተማ ልዕሊ መሰረተ መሰረተ ልምዓት ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።
ባህሊ ከተማነት ምዕባይ፣ ፅሬት ዘለዎም ህዝባዊ መዘናግዕታት ምፍጣርን ከተማታትና ንምንባርን ንምስራሕን ዝሓሹ ቦታታት ምግባር እውን እዩ ኢሉ።
ራኢማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝዘለለ ክሰፍሕ ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ ካብ ሃረር ክሳብ ባህር ዳር፣ ካብ ሃዋሳ ክሳብ ጅማ፣ ካብ ኣርባ ምንጭ ክሳብ ድሬዳዋ ሕድ ሕድ ከተማ ኢትዮጵያ መርኣያ ዘላቒ ልምዓት ናይ ምዃን ዓቕሚ ከም ዘለወን ሓቢሩ።
ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ድማ ንሕድ ሕድ ከተማ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ፣ ካብ ታሪኽን ከይተነፀላ ንቀፃሊ ግዜ ዝምጥና ከተማታት ንህነፅ ክብል እቲ ኔት ፅሕፈት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።