ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሁዋዌ ኣብ ኢትዮጵያ ኤሪክ ዩዋን ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 21/2019 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ኣብ ቀረባ እዋና ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሁዋዌ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ስራሕ ዝጀመሩ ኤሪክ ዩዋን ዘትዮም።
እቶም ዋና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ዘተና መንግሥቲ ዲጂታል ጉዕዞ ኢትዮጵያ ንምቕፃልን ንምቅልጣፍን ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝተባብዑ ከም ዝኾኑ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፀሙለይ ኢሎም።



ሁዋዌ ራኢ ዲጂታል ኢትዮጵያን ብሄራዊ ሽቶታት ልምዓትን ንምዕዋት ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ብፍላይ ድማ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኣይሲቲም ዓውዲ ርክብን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ኣብ ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 እውን ምስ ሁዋዌ ብምትሕብባር ኣብ ብብሄራዊ ዋንነት፣ ዘላቕነት፣ ድሕንነትን ፈጠራ ከባብያዊ ፅውጋን መሰረት ገይርና ኣብ ንሰርሐሎም ዓውድታት ምትሕብባር ዘቲና ኢሎም። 
ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚና ብዝለዓለ ብርኪ እናተጉዓዘ ኣብ ዘለሉ እዚ እዋን ሁዋዌ እውን ነዚ ዕቤት ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም ንክዋፃእን ዘለና ርክብ ስራሕ ኣጠናኺርና ንምቕፃልን ተስማዕሚዕና ክብሉ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም