ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ነባርን ሓደሽትን ተምሃርኡ ንምቕባል ምድላዋቱ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ነባርን ሓደሽትን ተምሃርኡ ንምቕባል ምድላዋቱ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 20/2019 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ነባርን ሓደሽትን ተምሃርኡ ንምቕባል ሙሉእ ምድላዋቱ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መብራህርሂ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዝነበሩን ኣብ 2019 ዓ/ም ዝተመደቡ ሓደሽቲ ተምሃሮን ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ኩነታት ብሚኒስቴር ትምህርቲ ናብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ብግዝያዊነት ከም ዝተመደቡ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሜላታትና መስመራት ስልክናን “ተመሊስና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ትምህርትና ክንቕፅል ንክእል ዲና?” ዝበሉ ሕቶታት እናቐረቡልና ይርከቡ ኢሉ።
ስለ ዝኾነ ድማ ቅድሚ ሕዚ ዝተገበረ ምደባ ግዝያዊ ከም ዝነበረ ብምርዳእ ነባራት ይኹን ሓደሽቲ ተምሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ተመሊሶም ትምህርቶም ምቕፃል ከም ዝኽእሉ ገሊፁ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ 24-25 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ኩሎም ነባራትን ሓደሽትን ተምሃሮ ንምቕባል ሙሉእ ምድላዋቱ ከም ዝዛዘመ እውን ኣፍሊጡ።
ንተምሃርኡ ሰናይ እዋን ጉዕዞ ንክኾነሎም እውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።