26 ኣውቶብሳት ከተማ ካብ ነዳዲ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ብምቕያር ናብ ስራሕ ኣትየን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 20/2019 (ኢዜኣ) ፈላሞት 26 ኣውቶብሳት ከተማ ካብ ነዳዲ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ብምቕያር ናብ ስራሕ ከም ዝኣተዋ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ 26 ኣውቶብሳት ከተማ ካብ ነዳዲ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ተቐይረን ናብ ስራሕ ብምውዓለን ዝተሰምዐኒ ታሕጓስ ክገልፅ ይደሊ ኢሎም።



ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ስራሕቲ ፍርያት ጋዝ ተፈይሮ ካብ ዝፈርየሉ ስፍራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጉዕዓዝ፣ መዐድሊታት ጋዝ ምድላውን ኣውቶብሳት ከትማ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ምቕያርን እናተሳለጡ ከም ዝፀንሑ ሓቢሮም። 
እዚ ታሪኻዊ ስጉምቲ ኣብ ዕድጊት ነዳዲ ዝወፅእ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ብዝለዓለ ብርኪ ከም ዘትርፍ ፀሪሖም።
ብተወሳኺ እውን ወፃኢ መካየዲ ስራሕ ትራንስፖርት ህዝቢ ብምቕናስ ታሪፍ ጉዕዞ ዜጋታት ብፍርቂ ከም ዘቃልል ኣብሪሆም።
ብነዳዲ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ብባዕላዊ ዓቕሚ ናብ ጋዝ ተፈጥሮ ናይ ምቕያር ስራሕ ድማ ዓቕሚ ውሽጢ ሃገርን ስግግር ቴክኖሎጂን ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።



ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ነዳዲ ዘሎ ፅግዕተኛነት ሙሉእ ብሙሉእ ንምትራፍን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ ዘሎ ጋዝ ተፈጥሮ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓልን ዘኽእኣ 400 ሓደሽቲ ብጋዝ ተፈጥሮ ዝሰርሓ ኣውቶብሳት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገር ከም ዝኣትዋ ኣረዲኦም። 
ኣብ ዓውድታት ምግቢ፣ ገዛን ትራንስፖርትን ጭቡጥ ስራሕቲ ብምስላጥ ኣብ ሂወት ዜጋታት መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝተጀመሩ ዝተባብዑ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም