ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድምፂ ወያነ ትግራይ” ማእዶት ኣገልግሎት ብሮድካስቲንግ ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 19/2019(ኢዜኣ) በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ “ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድምፂ ወያነ ትግራይ” ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረን ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስቱ በቲ በዓል መዚ ተሰሪዙ ዝነበረን ማእዶት ኣገልግሎት ብሮድካስቲንግ ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ከም ዝተውሃበ ኣፍሊጡ።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ በቲ በዓል መዚ ፍቓድ ኣገልግሎቱ ተሰሪዙ ዝነበረ “ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድምፂ ወያነ ትግራይ” ማእዶት ኣገልግሎት ብሮድካስቲንግ ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ከም ዝተውሃቦ ኣፍሊጡ።
ንኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድምፂ ወያነ ትግራይ ብዝምልከት በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1238/2013 ብዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን መሰረት ብዝገበሮ ክትትልን ቁፅፅርን እቲ ጣብያ ምስ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፃረሩ ትሕዝቶታት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ክፍንው ስለ ዝተረኸበ ፍቓድ ስርሑ ተሰሪዙ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ።
ይኹን እምበር በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ድምፂ ወያነ ትግራይ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ብዝብል ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ዝህብ ዝነበረ ጣብያ መሳርሒ ኲናት ኮይኑ ስለ ዘገልገለ ፍቓዱ ከም ዝተሰረዘ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላምን ምርግጋዕን ብምርግጋፅ ከምኡ እውን ድምፂ ህዝቢ ብምዃን ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንከበርክት ለውጢ ሽም ብምግባር ማእዶት ኣገልግሎት ብሮድካስቲንግ ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ተቐይሩ ፍቓድ ንክወሃቦ ዘቕረቦ ሕቶ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብኣንፃር ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ብምምርማር እቲ ሕቶ ኣግባብነት ዘለዎ ከም ዝኾነ ብምእማን ከም ዝተቐበሎ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ስለ ዝኾነ ድማ እቲ በዓል መዚ ማእዶት ኣገልግሎት ብሮድካስቲንግ ብዝብል ሓዱሽ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ከም ዝሃበ ብምግላፅ፤ ዝምልከቶም ኣካላት ምትሕብባር ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም