ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ንምቕባል ምድላዋቱ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ንምቕባል ምድላዋቱ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 19/2019 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ንምቕባል ምድላዋቱ ከም ዝዛዘመ ገሊፁ።
ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ክቕበል እዩ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብኣግባቡ ንክጅመርን ስሩዕ ኣገልግሎታት መነባብሮን ትምህርትን ተምሃሮ ንምምላእን ኣገልግሎታት ዶርሚተሪ፣ ካፌ፣ ክሊንክን ኣብያተ መፅሓፍትን ሓዊሱ ኣድላይ ምድላው ከም ዝገበረ ሓቢሩ።
በዚ ድማ ሎሚ መማህራንን ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ደገፍ ወሃብን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣካል ስራሕ ቅድመ ምድላው ዝኾነ ወፍሪ ፅሬት ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተኻየደ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብሪሁ።
ኣብቲ ወፍሪ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ገ/ሚካኤል ወልደገብርኤል ከም ዝበልዎ፤ እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዳግማይ ንምጅማር መምህራንን ሰራሕተኛታትን ዘርኣይዎ ቆራፅነት ንኢዶም።
ተምሃሮ ብኣግባቡ ንምቕባልን እቲ ከይዲ ትምህርቲ ብዓወት ንክጅመርን ኩሎም ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብትግሃትን ምውዳድን ክሰርሑ ከም ዘለዎም ምግላፆም እውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ገሊፁ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃርኡ ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ከም ዝቕበል እውን ኣፍሊጡ።
ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ተምሃርኡ ንምቕባልን ዕዉት ከይዲ ትምህርቲ ንምጅማርን ሙሉእ ምድላዉ ዛዚሙ ከም ዝርከብ ዝገለፀ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት፤ ሓደሽትን ነባራትን ተምሃሮ ኣብቶም ዝተገለፁ መዓልትታት ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ብምምፃእ ከይዲ ምዝገብኦም ንከሳልጡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።