ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 19/2019(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ ኣብ ሩሲያ ዝካየድ ዘሎ መበል 3ይ ጉባኤ ሩሲያ-ኣፍሪካ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ዝፀንሐ ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም መንገድታት ውፅታዊ ክልቲኣዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም።



እቲ ዘተ፤ ኣብ ሓይሊ ኒውክሊየር፣ ዓውድታት ጥዕናን ንግድን ዘሎ ምትሕብባር ከምኡ እውን ኣብ ሓባራዊ ድሌታት ትኹረት ዝገበረ ከም ዝነበረ እውን ሓቢሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንዘተ፣ ሓባራዊ ምርድዳእን ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ርክብን ኢትዮጵያ-ሩሲያን ዘለና ሓባራዊ ቆራፅነት ዘርኢ ብቋንቋ ሩሲያኛ ዝተተርጎመ መፅሓፈይ ንፕሬዚዳንት ፑቲን ኣበርኪተ ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም