መፅሓፍ “መደመር” ብቋንቋ ሩሲያኛ ተተርጒሙ ንንባብ በቒዑ - ኢዜአ ትግርኛ
መፅሓፍ “መደመር” ብቋንቋ ሩሲያኛ ተተርጒሙ ንንባብ በቒዑ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2019(ኢዜኣ) መፅሓፍ “መደመር” ብቋንቋ ሩሲያኛ ተተርጒሙ ንንባብ ከም ዝበቕዐ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መፅሓፍ “መደመር” ናብ ቋንቋ ሩሲያኛ ተተርጒሙ ንንባብ ከም ዝበቕዐ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ምረቓ እቲ መፅሓፍ ብኣካል ብምርካበይ ልዑል ሓጎስን ኩርዓትን ይስመዓኒ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
እዚ ታሪኻዊ ዓወት ፍልስፍና መደመር ካብ ሃገር ቦቆል ፍልጠት ኢትዮጵያ ተበጊሱ ዶብ ብምስጋር ናብ መላእ ዓለም እናሰፍሐ ከም ዝኸድው ዘርኢ ህያው መረጋገፂ እዩ ኢሎም።
ቅድሚ ሕዚ እቲ መፅሓፍ ካብ ቋንቋታት ውሽጢ ሃገር ብተወሳኺ ብቋንቋታት ኢንግሊዘኛ፣ ቻይንኛን ዓረብኛን ተተርጒሙ ንንባብ ከም ዝበፅሐ ብምዝኽኻር፤ ሕዚ ድማ ሓሳብ ኢትዮጵያ ዶብ ተሳጊሩ ኣብ በሪ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩሲያኛ ምብፅሑ ዓለም ለኻዊ ተበፃሕንነት እቲ ፍልስፍናን ዲፕሎማሲያዊ ፋይዳን ብዝበለፀ ከም ዘዕብዮ ኣረዲኦም።
እዚ ስጉምቲ ፍልስፍና፣ ፀጋታትን ሓሳባትን መደመር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ንካልኦት ህዝብታት ዝበፅሕሉ ዕድል ካብ ምፍጣሩ ብዝዘለለ ኢትዮጵያ ንዓለም እተበርክቶ ናይ ባዕላ ዝበሰለ ሓሳብ ከም ዘለዋ ብተግባር ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ሩሲያ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምድሪ መምሃሪት ስነ ፅሑፍን ፍልጠትን ኮይና ከም ዘገልገለት ብምሕባር፤ ሕዚ ድማ ሓሳብ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ሩሲያኛ ንኣንበብቲ ሩሲያ ምብፅሑ ነቲ ልውውጥ ፍልጠት ሙሉእ ከም ዝገብሮ ገሊፆም።
ንዕዉትነትን ምድላውን እቲ መፅሓፍ ልዑል ኣስተ ዘበርከቱ ሰብ ሞያን ኣመራርሓን መራኸብቲ ሓፋሽ ቱዴይ ሩሲያ(RT) ዝገበርዎ ፃዕርን ትግሃትን ብዝለዓለ ብርኪ ይንእድ ኢሎም።
እዚ ሓዱሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝማዕበለ ሃገር ቦቆል ፍልጠታት፣ ባህልታትን ፍልስፍናታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብዝበለፀ ንምልላይን ኣብ መንጎ ህዝብታት ጠንካራ ድልድል ሓሳብን ባህልን ንምህናፅ ዝህልዎ እጃም ኣዝዩ ልዑል ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።