ቀፃሊ ዕድል ኣፍሪካ ብውሑዳት ጉጅለ ሃገራት ዝውሰነሉ ዘበን ኣብቂዑ እዩ-ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን - ኢዜአ ትግርኛ
ቀፃሊ ዕድል ኣፍሪካ ብውሑዳት ጉጅለ ሃገራት ዝውሰነሉ ዘበን ኣብቂዑ እዩ-ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን
ሞስኮ/ጥቅምቲ 18/2019 (ኢዜኣ) ቀፃሊ ዕድል ኣፍሪካ ብውሑዳት ጉጅለ ሃገራት ዝውሰነሉ ዘበን ኣብቂዑ እዩ ክብሉ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም።
መበል 3ይ ጉባኤ ሩሲያ-ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ከተና ኖስኮ እንትጅመር ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ብመደረ ጀሚረምዎ።
ፕሬዝዳንት ፑቲን ኣብ መደርኦም፤ ሩሲያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ታሪኻዊ፣ ሉኣላዊነት ሃገራት ዘኽበረን ኣብ ሓባራዊ ተረቫሕነት፣ ሕውነትን ምክብባርን መሰረት ዝገበረን እዩ ኢሎም።
እዚ ምትሕብባር እናተጠናኸረ ከም ዝኸይድ እውን ሓቢሮም።
ኣፍሪካ ተርእዮ ዘላ ዕቤት ቁፅሪ ህዝብን ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስን ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ዘለዋ እጃም ከም ዘዕብዮ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ካብ ዘርእያ ዘለዋ 20 ሃገራት እተን 12 ኣብ ኣፍሪካ ዝርከባ ምዃነን ከም መርኣያ ገሊፆም።
ሩሲያ እውን ኣፍሪካ ብምግቢ ዓርሳ ንክትኽእል ቴክኖሎጂን ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ንምቅልጣፍ፣ ኣህጉራዊ ፕሮግራማት ግብርና ንምሕጋዝ ድልውቲ ከም ዝኾነት ኣረጋጊፆም።
እዚ ድማ ኣፍሪካ ሉኣላዊነት ምግቢ ንክተረጋግፅን ካብ ንባዕላ ብተወሳኺ ፍርያታታ ናብ ካልኦት ሃገራት ንክትልእኽን ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ፑቲን ንኣፍሪካ “መፃኢት ኣህጉር” ብምብላ ዝገለፁ እንትኸውን፤ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ዝህልዋ ፅልዋ ብዝበለፀ ከም ዝዓቢ ተዛሪቦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ምስ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኣሳሰሩ ኣካይዳታት ዝኽተላ ሃገራት ሕጋዊ ዘይኮኑ ማዕቐባት፣ ኢኮኖሞያዊ ፅልዋ፣ ኲናታት ታሪፍን ምፍርራሓትን ብምጥቃም ኣፍሪካውያን ዳግማይ ናብ ፅግዕተኛነት ዕዳ ንምምላስ እናፈተኑ ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።
ነዚ ድማ ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ ሉኣላዊነታ ከኽብሩ ዝኽእሉ ብፍላይ ድማ ሓደሽቲ መንገድታት ክፍሊት ክትኽተል ከም ዘለዋ ብምግላፅ፤ ሩሲያ ደገፍ ቴክኖሎጂ ንምግባር ድልውቲ እያ ኢሎም።
ቀፃሊ ዕድል ኣፍሪካ ብጉጅለ ውሑዳት ሃገራት ዝውሰነሉ ዘበን ከም ዘብቀዐ ብምሕባር፤ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ሓደሽቲ ማእኸላት ሓይሊ እናተፈጠሩ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ካብዞም ሓደሽቲ ማእኸላት ድማ ጉጅለ ሃገራት ኣባል ብሪክስ ወሳኒ ስፍራ ከም ዘለዎ ፀሪሖም።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ጥራሕ ምጣንያዊ ዕቤት ሃገራት ኣባል ብሪክስ ም 40 ሚኢታዊ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፤ እዚ ድማ ንዕቤት ምጣነ ሃፍቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 7 ብ10 ሚኢታዊ ከም ዝበልፆ ገሊፆም።