ኢትዮጵያ 12 ጀት ሰራዊት ሱ-35 4ኛ++ ትውልድ (Su-35 4++ Generation) ካብ ሩሲያ ተረኪባ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2019 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ 12 ጀት ሰራዊት ሱ-35 4ኛ++ ትውልድ (Su-35 4++ Generation) ካብ ሩሲያ ከም ዝተረከበት ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ንገብሮ ኩለ መዳያዊ ፃዕሪ ሎሚ ኣብ ካሊእ ሓዱሽ ምዕራፍ በፂሑ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ትገብሮ ዘላ ድሉውነት ንመጥቃዕቲ ቀዲምካ ምትራፍ ዘኽእላ ዓቕሚ እናፈጠረላ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕዚ ምስ መንግሥቲ ሩሲያ ብዝበፃሕናዮ ስምምዕ መሰረት ሎሚ ፈላሞት 12 ጀት ሰራዊት ሱ-35 4ኛ++ ትውልድ (Su-35 4++ Generation) ተረኪብና ክብሉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ 4 ባትሪታት ስርዓት መከላኸሊ ኣየር ኤስ-400 (S-400) ከም ትርከብ ኣፍሊጦም።



ቅድሚ ሕዚ ምስ መንግሥቲ ሩሲያ ብዝበፃሕናዮ ስምምዕ መሰረት ሎሚ ፈላሞት 12 ጀት ሰራዊት ሱ-35 4ኛ++ ትውልድ (Su-35 4++ Generation) ተረኪብና ክብሉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ 4 ባትሪታት ስርዓት መከላኸሊ ኣየር ኤስ-400 (S-400) ከም ትርከብ ኣፍሊጦም።
ፈታውየይ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ስምምዕና ሓደ ዓመት ቀዲሙ እዘን ኣውሮፕላናት ሰራዊት ንክንርከብ ንዘርኣይዎ ትግሃት ከመስግኖም ይፈትው ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እዞም ጀታት ሰራዊት ብምዕጣቕ ኢትዮጵያ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኮይና ኢሎም።



እዚ ታሪኻዊ ዓወት ሉኣላዊነት ሃገርና ብዝበለፀ ዘጠናኽር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ቀፃሊ እውን ሓባራዊ ድሕንነትናን ዞባዊ ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ንገብሮ ጉዕዞ ብልበ ሙሉእነት ንክንቕፅል ዓብይ ዓቕሚ ዝኾነና እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም