ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ዕቤትን ሰላም እቲ ዞባን ወሳኒ እዩ-ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 18/2019 (ኢዜኣ) ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ዕቤት፣ ሰላምን ድሕንነትን ዘጠናኽር ስለ ዝኾነ ሃገራት ብዝሰኸነ መንገዲ ተረዲአን ንዘተን ድርድርን ድሉዋት ክኾና ኣለወን ክብሉ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ቀይሕ ባሕርን ንዘበናት ተነፃፂሎም ክነብሩ ከም ዘይኽእሉን ቀይሕ ባሕሪ እውን መሰረት ህልውና ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾነን ሓቢሮም።

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ሰፊሕ ስፍሓት ቆዳ ዘለዋ፣ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላን ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮንፕሚ ተመዝግብ ዘላን በሪ ባሕሪ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር እያ።

እዚ ታሪኻዊ በሰላ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሃይለማርያም፤ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ 60 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ብመሬት ተኸዊልካ ምንባር ሕቶ ዘልዕል እዩ ኢሎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 1880ታት ኣውሮፓውያን ኣፍሪካ ንምክፍፋል ኣብቲ ዘበን ዝተተኸለ ሓደገኛ ሓሳብ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ሕቶ ምላሽ እንተዘይረኺቡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምስግጋሩ ኣይተርፍን ክብሉ ተዛሪቦም።

ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ግቡእን ትኽክለኛን ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ከመይ ከም ዝምለስ ድማ ኩሉ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።

ጎረቤት ሃገራት እውን ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ንምዕባይ፣ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ፣ ንቀፃሊ ወለዶ ዝሓሸ ነገር ንምርካብን ዝዓለመ ከም ዝኾነ ብምርዳእ ንዘተን ድርድር ክቕመጣ ከም ዘለወን ሓቢሮም።

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብጎረቤት ሃገራት ንሓባራዊ ልምዓትን ዕቤትን ወሳኒ ጉዳይ ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም