ፎረም ጣና ኢትዮጵያ ምልህቕ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ምዃና ዘርኢ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 17/2019 (ኢዜኣ) ፎረም ጣና ኢትዮጵያ ምልህቕ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ምዃና ዘርኢ እዩ ክብሉ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።
"መንገድታት ሰላም ኣፍሪካ፤ ሉኣላዊነት ኢኮኖምን ለውጢ ጂኦ ፖለቲካን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 13 ክሳብ 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ/ም ኣብ ከተማ ባህር ዳር እናተኻየደ ዝፀንሐ ፎረም ጣና ብዓወት ተዛዚሙ።
ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ፎረም ጣና መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ግልፂ ዘተ ዝገብርሉ ዕዉት መድረኽ እዩ።
ፎረም ጣና ኣብ ዝሓለፉ 12 ዓመታት ምክረ ሓሳባት ብምቕራብን ንሕብረት ኣፍሪካ ፀብፃብ ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ብምድላውን ሃናፂ እጃም ከም ዘበርከተ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ መልህቕ እቲ ዞባ እያ ዝበሉ ኣይተ ሃይለማርያም፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ንሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ዘለዋ ቆራፅነት ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ ኣለዋ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም