ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ፃዕርታት ልምዓትን ዝምዝገብ ዘሎ ወትን ዝነኣድ እዩ-ኣምባሳደር ኒኮላስ ሲማርድ

ሃዋሳ/ጥቅምት 17/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ፃዕርታት ልምዓትን ዝምዝገብ ዘሎ ኣወትን ዝነኣድ ከም ዝኾነ ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላስ ሲማርድ ገሊፆም።
እቶም ኣምባሳደር ክልቲኣውን ኩለ መዳያውን ርክብ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ካናዳን ተጠናኺሩ ከም ዝቕጥል እውን ሓቢሮም።
ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ልምዓት ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ናይ ምጉብናይ ዕድል ረኺቦም ዝተዓዘብዋ ከተማ ሃዋሳ ከምኡ እውን ዕቤትን ዘበናውነትን ካልኦት ከተማታት እውን ዝነኣድ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ ኩለ መዳያዊ ፃዕርታት ልምዓትን ዝምዝገብ ዘሎ ዓወትን ዝነኣዱ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ ልምዓት ቡን ሓዊሱ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዕቑር ዕድል ምልማዕ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።
ኣብ መንጎ ካናዳን ኢትዮጵያን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ጠንካራ ርክብ ምትሕብባር ከም ዘሎ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ግብርና፣ኢንቨስትመንትን ካልኦት ዓውድታትን ብዝበለፀ ተቐራሪብና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ካናዳን 60 ዓመታት ዘቑፀረ ምሕዝነትን ርክብ ምትሕብባርን ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም