መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሞዛምቢክ ከተማ ናካላ ሓዱሽ በረራ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 17/2019 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሞዛምቢክ ከተማ ናካላ ሓዱሽ በረራ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ሓዱሽ በረራ ካብ ማፑቶን ቤይራን ቀፂሉ ሳልሳይ መባፅሒ እዩ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር በረራ፤ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዳይሬክተር ጄኔራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ፣ኣምባሳደር ሞዛምቢክ ኣብ ኢትዮጵያ ኑኖ ቶማስ ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዳይሬክተር ጄኔራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ብመንፈስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዝተቓነየ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት እየን።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሞዛምቢክ ከተማ ናካላ በረራ ምጅማሩ እውን ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪዘሳግር እዩ ኢሎም።
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ጎና ጎኒ ፎረም ጣና ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ እተን ሃገራት ብምትሕብባር ዝሰርሓሎም ኣድማስ ንምስፋሕ መሰረት ዘንብር ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ሞዛምቢክ ኣብ ኢትዮጵያ ኑኖ ቶማስ ብግደኦም፤ ምጅማር እቲ በረራ ቱሪዝም፣ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምቅልጣፍ ወሳኒ እጃም ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጥንኻር ኣወንታዊ እጃም ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።
ሓላፊ ዘፈር ኦፕሬሽን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ረታ መላኩ፤ እቲ በረራ ኣብ ሞዛምቢክ ሳልሳይ መባፅሒ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ መንገዲ ኣየር ንሃገራት ኣፍሪካ ብምትእስሳር ንግዲ፣ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ንክስፋሕፋሕ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ምጅማር እዚ በረራ እውን ኣካል እዚ ኣህጉራዊ ሽቶ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም