ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ

ባህርዳር/ጥቅምቲ 17/2019(ኢዜኣ) ሉኣላዊነት ኢትዮጵያን ድሕንነት ህዝብን ንዘኽብር ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ይካየድ ኣሎ።
ሉኣላዊነት፣ድሕንነትን ሰላም ህዝብን ኢትዮጵያ ንምኽባር ቀትርን ለይትን መስዋእቲ እናኸፈለ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ድሙቕ ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ባህር ዳር እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኸቡ ነበርቲ እታ ከተማን ከባቢኣን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዋሕስ ሃገርን ሓላዊ ሉኣላዊነትን ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ነቲ ሰራዊት ዘለዎም ክብርን ደገፍን ብልዑል ጉልበትን ስምዒት በዓል ዋናነትን እናገለፁ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ተሰለፍቲ፤ ዋሕስ ሃገር ንዝኾነ ሰራዊትና ክብርን ምስጋናን ነቕርብ፣‎ፀላእቲ ኢትዮጵያ እናደምሰስና ሰንደቅ ዓላማና ሓፍ ክነብል ኢና፣ሰራዊትና መርኣያ ሕብረ ብሄራዊነትና እዩ፣ብባንዳን ተለአኣኽነትን ንዝተሰለፉ ኣካላት ንኹንን ዝብሉን ካልኦትን መልእኽትታት እናመሓላለፉ ይርከቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም