መንግሥቲ መደመር ኣብ ልምዓት ከተማታት ዘሳለጦም ስራሕቲ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅ ክኢሎም እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 16/2019 (ኢዜኣ) መንግሥቲ መደመር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልምዓት ከተማታት፣ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ህንፀት መንበርን ዘሳለጦም ስራሕቲ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋገፁ ከም ዝኾኑ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኢንጂነር መሀመድ ኣብዱራህማን ገሊፆም።
መዓልቲ ከተማታት ዓለም “ከተማ ምሕዳስ፤ ንኹሉ ዝተርፍ እኹል መንበሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዳራሽ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታት(ECA) ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ብሚኒስቴር መሰረተ ልምዓትን ከተማን፣ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዩኤን ሀቢታት(UN-Habitat) ብሓባር ዝተዳለወ እንትኸውን፤ ኣብ ስራሕቲ ዕቤት ከተማታት፣ቀረብ መንበሪን ምሕዳስ ከተማን ትኹረት ዝገበረ እዩ።



ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኢንጂነር መሀመድ ኣብዱራህማን ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መንግሥቲ መደመር ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ልምዓት ከተማታትን ህንፀት መንበርን ዘሳለጦም ስራሕቲ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋገፁ እዮም።
ከተማታት ማእኸላት ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ፣ስግግር ቴክኖሎጅን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ንክኾኑ ብትኹረት ከም ዝተሰርሐ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝተሳለጡ ልምዓታት ኮሪደርን ስራሕቲ ምሐዳስ ከተማን ከተማታትና ፅሩያት፣ንመነባብሮ ምችዉን ንሓለዋ ከባቢ ትኹረት ዝገበሩን እዮም ኢሎም። 
ምስ መሓዙት ልምዓት፣ዓውዲ ውልቀን እቲ ማሕበረሰብን ዘሎ ምሕዝነት ብምጥንኻር ድሌት መንበሪ ዜጋታት ንምምላእ ትኹረት ተዋሂቡ ከም ዝስራሕ እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም