ዴንማርክ ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጅን ዘለዋ ደገፍ ንምጥንኻር ቆራፅ እያ-ኣምባሳደር ሱኔ ክሮግስትሩፕ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 16/2019 (ኢዜኣ) ዴንማርክ ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ንምጥንኻር ቆራፅ ከም ዝኾነት ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕ ገሊፆም።
ቅነ ማይን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ንምልውዋጥ ወሳኒ መድረኽ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
መበል 3ይ ቅነ ማይን ኢነርጅን ኢትዮጵያ “ንውሕስና ማይን ኢነርጅን ዝተረጋገፀሉ ቀፃሊ ኩነታት ሳይንሳዊ መሰረት ዘለዎም ፖሊሲታትን ምሕዝነታትን ምዕባይ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ፣ መውፃእቲ ፖሊሲ ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።
ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ቅነ ማይን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ንምልውዋጥ፣ ተሞኩሮ ንምክፋል፣ ስራሕቲ ፈጠራ ንምልላይን ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዘገልግል ዘሎ መድረኽ እዩ።
ዴንማርክ ብፕሮግራምን ተበግሶን ምትሕብባር ልምዓታ ኣቢላ ዓውዲ ማይን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ንምድጋ ዘለዋ ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።
ካብዚኣቶም ድማ ኣብ መንጎ ትካላት ማይን ኢነርጅን ብቀጥታ ልውውጥ ልምዲ፣ ህንፀት ዓቕሚ ምክያድ፣ ንብሄራዊ ፕሮግራማት ምድጋፍ ከምኡ እውን መሰረተ ልምዓት ኢነርጂ ምስፍሕፋሕ ከም ዝርከብዎም ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ማይን ኢነርጅን ዕድላት ልምዓት ከም ዘለውዋ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዴንማርክን ዘሎ ምትሕብባር ደገፍ ልምዓት ካብ ምዃኑ ብዝዘለለ ንምሕዝነት ንግዲ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ፈጠራን ዕድላት ውልቀ ኢንቨስትመንትን ዕድላት ከም ዝፈጥር ኣረዲኦም።
ዴንማርክ ሓባራዊ ዕላማታትና ንምዕዋት ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ኢትዮጵያ፣ መሓዙት ልምዓት፣ ዓውዲ ውልቀን መዳርግቲ ኣካላትን ብምት ምስርሓ ከም ትቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።
ኣምባሳደር ሩዋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ቻርለስ ካራምባ ብግደኦም፤ ማይን ኢነርጅን ንድሕንነት ወዲ ሰብ፣ ልምዓት ኢኮኖሚን ዘላቕነት ከባብን ኣድላይ ሃፍትታት ከም ዝኾኑ ገሊፆም።
ማይን ኢነርጅን ብብቕዓት፣ ተሓዳስነትን ዘላቕነትን ምምሕዳር ውሕስና ማይ ንምርግጋፅ፣ ተበፃሕነት ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕን ፈተናታት ምፅዋር ዝኽእል ቀፃሊ ኩነታት ንምፍጣርን ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ቅነ ማይን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ዝሓሹ ተሞኩሮታት ንምክፋል፣ ሓደሽቲ ፈጠራታት ንምልላይን ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጅን ዕድላት ኢንቨስትመንት ንምምርማርን ዕድል ከም ዝህብ ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም