ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘጋጥምዎ ፈተናታት ብፅንዓትን ጅግንነትን ዝተዋፅአ ሰራዊት ዓወት እዩ-ሚኒስትር ምክልኻል መሃመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 15/2019 (ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘጋጥምዎ ፈተናታት ብፅንዓትን ጅግንነትን እናተዋፅአ ዝመፀ ሰራዊት ዓወት ከም ዝኾነ ሚኒስትር ምክልኻል መሃመድ እድሪስ ገሊፆም።
መበል 19 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ "ሰራዊት ዓወት" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ሓይልታት ሰራዊት ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ፣ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ጄነራል ኣበባው ታደሰ፣ ኮሚሽነር ጄኔራል ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ነበር ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት፣ ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።



እቲ መዓቲ ሰራዊት ምክልኻል ብዘበናዊ መልክዑ 15 ጥቅምቲ 1900 ዓ/ም ዝተመስረተሉ ታሪኻ ብምሕሳብ እዩ ዝኽበር።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሚኒስትር ሰራዊት ዝሾመትሉ መዓልቲ ብምዝካር ንሉኣላዊነት ሃገር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ዝዝከርሉ እዩ።
ሚኒስትር ምክልኻል መሃመድ እድሪስ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዋሕስ ህዝቢ እዩ።
እቲ ሰራዊት ዘጋጥምዎ ፈተናታት ብፅንዓትን ጅግንነትን እናተዋፅአ ዝመፀ ሰራዊት ዓወት ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ማዕበላት ተሳጊራ ናብ ብራኽኣ እናገስገሰት ከም ትርከብ እውን ተዛሪቦም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጉዕዞ ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ እናደገፈ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ሰራዊት ካብ ውሽጥን ወፃእን ዝተፍሕሱ ሽርሕታት ብምፍሻል ዶብ ሃገርን ሰላም ህዝብን ንክሕለው ከም ዝገበረ ኣረዲኦም።
እቲ ሰራዊት ኣብ ዘተኣማምን ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ ከም ዝርከብ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ሰላም እቲ ዞባ ኣብ ምርግጋፅ እውን ወገንተኝነቱ ብተግባር ዘመስከረ እዩ ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም