ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዓምዲ ህልውና ሃገር እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁል - ኢዜአ ትግርኛ
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዓምዲ ህልውና ሃገር እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁል
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 15/2019 (ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዓምዲ ህልውና ሃገር እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁል ገሊፆም።
መበል 118 መዓል ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ላዕለዋይ ምምርሒ ሓይልታት ሰራዊት ተኸቢሩ።
እቲ መዓቲ ሰራዊት ምክልኻል ብዘበናዊ መልክዑ 15 ጥቅምቲ 1900 ዓ/ም ዝተመስረተሉ ታሪኻ ብምሕሳብ እዩ ዝኽበር።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሚኒስትር ሰራዊት ዝሾመትሉ መዓልቲ ብምዝካር ንሉኣላዊነት ሃገር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ዝዝከርሉ እዩ።
ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁል ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ዕድመ ፀገብ ትካላት ካብ ዝሃነፃ ሃገራት ኢትዮጵያ እታ ሓንቲ እያ።
119 ዓመት ዘቑፀረ ሰራዊት ምክልኻል ካብቶም ቀዳሞት ዕድመ ፀገብ ትካላት እዩ ኢሎም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሃገር ንዘፍርሱ ባንዳታት እናተዋግአ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ እቲ ሰራዊት ዓምዲ ህልውና ሃገር ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ምልእኣኽ ስርሑ ዝኾነ ህወሓት ብዝወልዖ ሓዊ ከም ዝተለብለበ ብምሕባር፤ ናብ ፈታዊኡ ሻዕብያ ከም ዝኸደን ድሕሪ ሕዚ ዕድል ከም ዘይብሉን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኣባይ ፀጋ ተፈጥሮ ኢትዮጵያ፣ ቀይሕ ባሕሪ እውን ፈጣሪ ንኢትዮጵያ ዝሃባ ባሕሪ እዩ ኢሎም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘተኣማምን ሓይሊ እቲ ዞባ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ነቲ ሰራዊት ብዝተፈላለዩ መንገድታ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣባል ክብሪ ሰራዊት ምክልኻል ተዋሂቡ።