ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ቀጨኔ–ኣምባሳደር–ጊዮን- ኢሬቻ– መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 15/2019 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ቀጨኔ–ኣምባሳደር–ጊዮን- ኢሬቻ– መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ 351 ሄክታር ሓፈሻዊ ስፍሓትን 10 ኪሎ ሜትር ንውሓትን ዘለዎ ልምዓት ኮሪደር ዘበናዊ፣ ሓምለዋይን ንኹሉ ሓቛፍን ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ናይ ምህናፅ ራኢና ጋህዲ ዝገብር ዓብይ ፕሮጀክት እዩ ኢሎም።



መንገድታት እግረኛ፣ መንገድታት ብስክሌትን ዝተዋደዱ መሰረተ ልምዓታት ትራንስፖርትን ዝሓዘ ስለ ዝኾነ እዚ ልምዓት ብዝበለፀ ተበፃሕን ንመነባብሮ ዝስማዕማዕን ከባቢ ከተማ ከም ዝፈጥር እውን ሓቢሮም።
ስፍራታት መፃወቲ ቆልዑ፣ ፕላዛታትን ኣምፊ ቲያትራትን፣ ስፍራታት ስፖርት ከምኡ እውን ምርኢት ማይ ዘርእዩ ንመዘናግዕን ማሕነራዊ ርክብን ሓደሽቲ ዕድላት ከም ዘበርክቱ ገሊፆም።
መዕረፊ መኪናታትን ልዕሊ 100 መኪናታት ኣብ ሓደ ቻርጅ ምምላእ ዘኽእሉ 8 ማእኸላት መምልኢ ኤሌክትሪክ መኪናን ንዘበናዊ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽር እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ምምሕዳር ሩባ፣ዕቀባ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ብሓምለዋይ ስፍራታት ወሰና ወሰን ሩባ ሓለዋ ከባቢ ምስ ለውጢ ምስሊ ከተማ እናዋደድና ኢና ንርከብ ኢሎም።
እቲ ዝተዳለወ ማእኸል ዕዳጋ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ወሰና ወሰን ሩባ ዝነብሩ ንዝነበሩ ነበርቲ ፍርያታ ኢደ ጥበብ ንከፍርዩ፣ ንመርኣያን መሸጥን ንክጥቀሙሉ ዘኽእል ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ማእኸል መሸጣ ፍርያትታ ግብርና ድማ ኣፍረይቲ ግብርና ምስቲ ዕዳጋ ከም ዘራኽቦም ሓቢሮም።
ናትና ራኢ ንሎምን ንዝቕፅሉ ወለዶታትን ሰሓቢ ጥራሕ ዘይኮነስ መፍረያይን ንኹሉ ሓቛፍን ከምኡ እውን ንህዝቢ ዝምጥን ከተማ ምህናፅ እዩ ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም