ኣፍሪካ ምስቲ ዝልወጥ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ስርዓት ምልማድ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ እጃም ክህልዋ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 14/2019 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ምስቲ ዝልወጥ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ስርዓት ምልማድ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ እጃም ክህልዋ ከም ዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “መንገድታት ሰላም ኣብ ኣፍሪካ፣ሉኣላዊነት ኢኮኖምን ለውጢ ጂኦ ፖለቲካን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 12 ላዕለዋይ ፎረም ድሕንነት ጣና ተረኺበ መደረ ብምግባረይ ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።
መሪሕ ቃል እቲ ጉባኤ ክንዝንግዖ ንዘይግበኣና ሓቂ እዩ ዘርኢ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ዶብና ወፃኢ ዝውሰኑ ውሳነታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና፣ዕድላት ኢኮኖሚናን ድሕንነትናን ፅልዋ ከም ዘሕድሩ ሓቢሮም።



ዋላ ኳ ሕድ ሕድ ሃንደበታዊ ቅልውላው ምቁፅፃር ተዘይከኣልና ናይ ምፅዋር ዓቕምና ግና ምጥንኻር ንኽእል ኢና ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እዚ ማለት ድማ ንኣፍሪካ ሃገር ቦቆል መፍትሕታት ምድላው፣ሉኣላዊነት ኢኮኖሚ ምጥንኻርን ምትሕብባር ምዕባይን ማለት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣፍሪካ ምስቲ ዝልወጥ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ስርዓት ምልማድ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ስርዓት ናይ ምቕራፅ እጃም ክህልዋ ይግባእ እውን ኢሎም።
ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ቀዳማይን ኣዝዩ ኣድላይን ጉዳይ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንዜጋታት ምሕላው፣እቲ ሕገ መንግሥታዊ ስርዓት ምኽባርም ንዘተ በሪ ክፍቲ ምግባርን ከም ዝሓትት ኣብራህሪሆም።
ንብሄራዊ ምኽክር ብዘለና ቆራፅነት መንገሲ ሰላም ንዝመርፁ ኩሎም ንምቕባል ኩሉ ግዜ ድሉዋት ኢና ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ፍልስፍና መደመር ጥንካረታትናን ዓቕምናን ኣብ ምትሕብባር ከምኡ እውን ካብ ናይ ባዕልና ጭቡጣት ሓቅታት ዝተቐድሑ መፍትሕታት ኣብ ምድላው ጠመተ ዝገበረ ከም ዝኾነ ዘገንዝብ እዩ ኢሎም።
ንቀፃሊ ወለዶታትና እነመሓላልፋ ዓለም ንምቕራፅ ዝለዓለ እጃም እናበርከትና ጠንካራ ዓቕሚ ምፅዋር ዘለዋ፣ሰላማዊትን ዝማዕበለትን ኣህጉር ምህናፅ ንኽእል ኢና ክብሉ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም