መንግሥቲ ፌዴራል ኲናት ንምትራፍ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ፈፂሙ እዩ-ሜጀር ጄኔራል ገብረ ኣድሃና

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ/ 13/2019 (ኢዜኣ) መንግሥቲ ፌዴራል ኲናት ንምትራፍ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ከም ዝተዋፅአ ነበር ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ትግራይ ሜጀር ጄኔራል ገብረ ኣድሃና(ገብረ ዲላ) ገሊፆም።
ሜጀር ጄኔራል ገብረ ኣድሃና(ገብረ ዲላ) ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ምስ ተፈረመ መላእ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ካብ ኲናት ክንወፅእ ኢና ዝብል ልዑል ተስፋ ከም ዝነበሮ ኣዘኻኺሮም።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ እውን ቀንዲ ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ደላዪ ኲናት ድሑር ጉጅለ ህወሓትን ድሕሪ ሕዚ ኲናት ኣየድልየናን ዝብሉ ደለይቲ ለውጥን ዝተፈጠረ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ናብ ሰላም እንተኣትዩን ሰላማዊ ኩነትታ እንተተፈጢሩን ተሓታቲ እየ ኢሉ ዝኣምን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ክቕበሎ ኣይከኣለን ኢሎም።
እቲ ስምምዕ ንምፍራስን ናብ ዳግማይ ኲናት ንምእታውን ድማ እቲ ስምምዕ ስዒቡ ንዝተጣየሹ ግዝያዊ ምምሕዳራት ብሓይሊ ብምፍራስን ምስ ግዳማዊ ፀላእቲ ብምሕባርን ናብ ካሊእ ዙር ኲናት እናተዳለወ ከም ዝነበረ ኣብሪሆም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽም ፅምዶ ይኹን ምሕዝነት ምስ ግዳማዊ ፀላእትን ውሽጣዊ ፀረ ሰላም ሓይልታትን ዝገብሮ ርክብ ትልሚ ሻዕብያን ግብፅን እምበር ዝተፈለየን ናይ ባዕሉ ዕላማ ዘይብሉን ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ሻዕቢያ ይኹን ፋኖ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጨፍጫፍ ዝፈፀሙ ሓይልታት ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ጉጅለ ምስዞም ሓይልታት ርክብ ምስ ፈጠረ ድማ ብህዝቢ ትግራይ ክትፋእን መንነቱ ክቃላዕን ክኢሉ እዩ ኢሎም።
እቲ ጉጅለ ብድሌት ዝዋግአሉን ዝስለፈሉን ሰብ ምስ ሰኣነ ብሓይሊ መናእሰይ ናብ ምግፋፍን ህዝቢ ናብ ምርዓድን ከም ዝኣተወ ሓቢሮም።
መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ደቆም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ወፃእን ኣቐሚጦም ንመንእሰይ ትግራይ ብሓይሊ እናገፈፉ፣ እናሃደኑ፣ኣይግፈፍን ንዝበለ መንእሰይ ድማ እናቐተሉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መስካሕክሒ በደል ከም ዘብፅሑ ሓቢሮም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ መወዳእታ ልኡኽቶ ግዳማዊ ፀላእቲ ንምፍፃምን ምድላዋቱ ኣብ ዝወድአሉ እዋንን ኲናት ከም ዝወልዐ ኣረዲኦም።
ነዚ ስዒቡ መንግሥቲ ፌዴራል እውን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝጀመሮ ኲናት ንምምካትን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንምድሓንን ዝገበሮ ስጉምቲ ትኽክለኛን ዝነኣድን ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኲናት ንምትራፍ ኣድላይን ግቡእን ሓላፍነቱ ከም ዝተዋፅአ እውን ተዛሪቦም።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዘርእዮ ዘሎ ስነ ምግባርን ህዝባውነትን ህዝቢ ትግራይ ኣድላይ ምትሕብባርን ደገፍን እናገበረ ከም ዝርከብን በዚ ድማ ሕጉስ ከም ዝኾኑን ገሊፆም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብህዝቢ ትግራይ ከም ዝተተፍአን ድሕሪ ሕዚ ህልውንኡ ከም ዘብቅዐን ከምኡ እውን ለውጢ ዘምፅእ እዚ ዝበሃል ዓቕሚ ከም ዘይብሉ እውን ኣረዲኦም።
ስለ ዝኾነ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ እቲ ዝተጣየሸ በዓል ሓደራ ምምሕዳርን ፌዴራልን ብምዃን ናብ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክንሰጋገር ኣለና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም