ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 13/2019 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንታሪኻዊት ጎንደርን ማሕበረሰብ ከባቢኣን ዓብይ ብስራት ዝኾነ ፕሮጀክት ግድብ መስኖ መገጭ ብዕሊ መሪቕና ኣገልግሎት ኣጀሚርና ኢሎም።



እዚ ፕሮጀክት ዋላ ኳ ንነዊሕ ዓመታት ፈተና ምትእጉጓልን ኣፈፃፅማን እንተጋጠሞ ብኣተሓሳስባ መደመር እቶም ፀገማት ብንፍታሕ ናብ ዝለዓለ በረኸት ምቕያር ክኢልና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
እዚ ግድብ 185 ሚልዮን ኪዩቢክ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎን ልዕሊ 17 ሽሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ብምልማዕ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሓረስቶት ብቀጥታ ተረባሕቲ ብምግባር ሕቶ ልምዓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዘላቕነት ምምላስ ዘኽእልን ዓብይ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። 
እቲ ግድብ ንከተማ ጎንደርን ኣብ ዙርይኡ ዘለዋ ከተማታትን ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ኩለ መዳያዊ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ሒዙ ዝመፀ እዩ ኢሎም።



ኣብ ሰብ ስራሕ ቃላይ እቲ ግድብ ዝስፋሕፍሑ ግብርና ከተማ፣ ምርባሕ እንሰሳት ከምኡ እውን ንልምዓት ቱሪዝም ዝኾኑ ሪዞርትታት መዘናግን ሎጅን ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ምንቅስቓስ ንግዲ ዘዕብዩ ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።
እዚ ፕሮጀክት ንዓወት ንምብቃዕ ብጥቡቕ ክትትልን ደገፍን ጋህዲ ምግባር ዝተኽኣለ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ጎንደር ገና ብዙሕ ክስረሐላ ዝግባእ ከተማ ስለ ዝኾነት እቲ ህዝቢ ኣብቲ ልምዓት ብንቕሓት ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። 
ዕቤት ኢትዮጵያ ንኩሎም ከብባታት ዝሓቖፈን ንኩሉ ዜጋ ማዕረ ዘሳትፍን ንክኸውን ብትግሃት ምስራሕን ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም