ፅምዶ ስሑት ፕሮፖጋንዳ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ንምድጋር ዝፍትን መሰረት ዘይብሉ እኽብካብ እዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ - ኢዜአ ትግርኛ
ፅምዶ ስሑት ፕሮፖጋንዳ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ንምድጋር ዝፍትን መሰረት ዘይብሉ እኽብካብ እዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 12/2019 (ኢዜኣ) ፅምዶ ስሑት ፕሮፖጋንዳ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ንምድንጋር ዝፍትን መሰረት ዘይብሉ እኽብካብ ከም ዝኾነ ብተግባር ዘርኣየ እዩ ክብሉ ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
"ሕብረት ዶ ክህደት? ፀረ-ኢትዮጵያ ሕብረት ካበይ ናበይ?'' ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሄራዊ ኮሌጅ ምክልኻልን ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃእን ብሓባር ዘዳለውዎ ዘተ ፖሊሲ ተኻይዱ።
ኣማኻሪ ሚኒስትር ቀዳማይ ሚኒስትር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሕብረት ፅምዶ ዝተወደበ ዓቕሚ ከይሃለዎ ዝተመስረተን ስሑት ፕሮፖጋንዳ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ንምድንጋር ዝፍትንን መሰረት ዘይብሉ እኽብካብ እዩ።
ብፍላይ ድማ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ፋኖ፥ ሸኔን ካልኦት ሓይልታትን ዝገብሮ ርክብ ኣብ ፅልኢትን ዝተፈላለዩ ረብሓታትን መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።
ምላሽ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ንምኽባርን ዘይድልዩ ጉድኣታት ንምቕናስን ዝዓለመ ከም ዝኾነ እውን ተዛሪቦም።