ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ባህርዳር/ጥቅምቲ 12/2019 (ኢዜኣ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ሸዋ፣ ደቡብ ወሎን ምብራቕ ጎጃምን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።


 

እቲ ሰልፊ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ ደብረ ብርሃን፣ ደሴ፣ ኮምቦልቻ፣ ደብረ ማርቆስ፣ ከሚሴን ካልኦት ከተማታትን እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።



እቲ ተሰለፍቲ ህዝባውነትን ጅግንነትን እቲ ሰራዊት ከምኡ እውን ዋሕስ ሃገር ምዃኑ ዝገልፁ ጭርሖታት፣ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ብፍላይ ድማ ሕቶ ዋንነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘንፀባርቑ መልእኽትታት የመሓላልፉ ኣለዉ።
ኣብቲ ሰልፊ ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ከምኡ እውን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም