ብስራታት ጉባ ንብልፅግና ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብሩ ዘተኣማምን ትካላዊ ቁመናን ኣንፈትን ሒዞም እናተሳለጡ እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 11/2019 (ኢዜኣ) ብስራታት ጉባ ንብልፅግና ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብሩ ዘተኣማምን ትካላዊ ቁመናን ኣንፈትን ሒዞም እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 4 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመረቕሉ እዋን ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት ዓመታት ብ30 ቢልዮን ዶላር ዝህነፁ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ዕላዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
እቶም ኣብቲ እዋን ዕላዊ ዝተገበሩ ፕሮጀክትታት ድማ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሊየር፣ ፋብሪካ ማዳበሪያ፣ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ፣መፍረዪ ጋዝ ተፈጥሮ፣መፃረዪ ነዳድን ልምዓት ኣባይትን እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ ምንቅስቓስ ስራሕ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝጎብነይሉ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ቴክኖሎጂ ኒውክሌር ንብርክት ዝበሉ ትካላት እታዎት ዝኸውን መሰረታዊ ፍልጠት እዩ።
ኣብ ብስራታት ጉባ ካብ ዝተበሰሩ ወለዶ ተሳጋሪ ፕሮጀክትታት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሊየር እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኩሎም ፕሮጀክትታት ብዘደምም ቅልጣፈ እናተሳለጡ ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።
ህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ካብ 4 ኣዋርሕ ኣብ ዝነኣሰ ግዜ ከም ዝዛዘም ብምሕባር፤ ካልኣይ ዙር ድማ ቀፂሉ ክጅመር እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ዙር ህንፀት ፋብሪካ መፍረዪ ጋዝ ተፈጥሮ ከም ዝተመረቐ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ህንፀት ፋብሪካ ማዳበሪያ እውን ብዘተኣማምን ኩነታት እናተሳለጠ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ፋብሪካ ማዳበሪያ ምስ ጋዝ ተፈጥሮ ዘተኣሳስር መስመር ከም ዝተዘርገሐ ብምግላፅ፤ ሕዚ ድማ ምስ ወደብ ዘራኽብ መመሓላለፊ መስመው ጀሚርና ኢሎም።
ህንፀት ኣባይቲ ጋህዲ ንምግባር ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት እናኣተዉ ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ ባንኪ ሞርጌጅ ንምፍጣር መፅናዕቲ ከም ዝተዛዘመ ኣብራህሪሆም።
ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ከም ምዃና መጠን ዋላ ኳ ኣብ ቴክኖሎጂ ኒውክሊየር ዝዘንገዐት እንተኾነት ሕዚ ዘላትሉ ቁመና ዘኹርዕ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኢነርጂ እተፍርን እትሸጥን፣ ኢንዱስትሪታት እትስሕብ፣ መሰረተ ልምዓታት ባቡር፣ መንገድን ናውትን ምህናፅ እትኽእል ክትኸውን ከም ዘለዋ እውን ተዛሪቦም።
ነቲ ዝተሃነፀ መሰረተ ልምዓት ምምሕዳር ዝኽእል ትካል ምህናፅ ዝኽእል ዓቕሚ ምፍጣር ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ዓብይ ስትራቴጂ መደመር ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 25 ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘተኣማምን መሰረት ብምንፃፍ መርኣያ ብዙሓት ከም ትኸውን ከም ዝተለመ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም