ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ንናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ንናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣለዎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ጥቀምቲ 11/2019 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ንናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ረብሓ ከም ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ሎሚ ከም ዝጎብነዩ ሓቢሮም።
እዚ ትካል ንናይ ነዊሕ እዋን ራኢ ኢትዮጵያ ልዑል ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኣለዎ ክብሉ እውን ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ኣዝዩ ልዑል ብዝኾነ ዕቑርን ትርፍን ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ንነዊሕ እዋን ከም ትፍለጥ ብምግላፅ፤ እቲ ሓዱሽ ምዕራፍ ድማ እዞም ሃፍትታት ናብ ጭቡጥ ልምዓት፣ዕቤት ቴክኖሎጅን ሓባራዊ ብልፅግናን ኣብ ምልዋጥ ትኹረት ከም ዝገብር ኣረዲኦም።
ዘተኣማምንን ዘላቕን ቀረብ ሓይሊ ንኢንዱስትሪ፣ማኑፋክቸሪንግ፣ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ሓፈሻዊ ኢኮኖሚያዊ ስግግርን ማእኸላይ እጃም ከም ዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቴክኖሎጂ ኒውክሊየር ድማ ውሕስና ሓይሊ ብምጥንኻር ንዝግስግስ ዘሎ ድሌት ንምምላእ ዓብይ ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ካብ ፍርያት ሓይሊ ብዝዘለለ ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ግብርና፣ኢንዱስትርን ሓለዋ ከባብን ንሃገራዊ ልምዓትን ህንፀት ዓቕሚ ቴክኖሎጅን መሰረታዊ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሓይሊ ኒውክሊየር ኢትዮጵያ ንፕሮግራም ብሄራዊ ሓይሊ ኒውክሊየር ኣድላይ ዝኾኑ ትካላውን ቴክኒካውን መሰረታት ብምንፃፍ ነዚ ራኢ ንምዕዋት ስትራቴጂካዊ እጃም ከም ዘለዎ ብምሕባር፤ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ፣ሳይንሳዊ ምርምር ምስፍሕፋሕን ፍልጠት እቲ ትካል ንቀፃሊ ወለዶ ምትሕልላፍን ወሰንቲ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ብሄራዊ ዓቕምን ፍሉይ ሞያዊ ብቕዓትን ብምምዕባል ልምዓት ሓይሊ ኒውክሊየር ሰላማዊ፣ድሕንነቱ ዝተሓለወ፣ዘተኣማምንን ዘላቕን ብዝኾነ መንገዲ ብስምዒት ሓላፍነት ንክሳጥ ከም ዝገብር ኣረዲኦም።